Friday , April 26 2024
Miguel Morenatt/TT

ድባብ ስዕረት ንባርሶሎናን ሜሲን ኣይገደፎምን!!

ግጥም ፍጻመ ኮፓ ዲ ረይ ኣብ ሞንጎ ባርሶሎናን፣ቫለንሻን ዝተካየደ ብዓወት ቫለንሽያ  2ብ1 ተዛዚሙ።

ኣብዚ ወሰንቲ ተጻወቲ ባርሰሎና ማለት ሓልዊ ልዳት ስተገን፣ ስዋሬዝን ደንበለን ዝቦኾርሉ ቫለንሻ ቅድሚ ዕረፍቲ ብዘመዝገበትን ክልተ ሹቶታት እያ ክትዕወት ኪኢላ ዘላ።

ቅድሚ ጸወታ ሜሲ ስዕረት ቻምፒዮን ሊግ በዛ ዋንጫ ክንድብሶ ኢና እካ እንተበለ ክሰምረሉ ኣይከኣለን ።

ባርሶሎና ብ መገዲ ሜሲ ኣቢላ ወላ ሓንቲ ሸቶ እንተ ኣመዝገበት ንሽቶታት ጋሜሮን፣ሮዲሪገን ክትሕዊ ብዘይምክኣላ ነዚ ዓመት ብሓንቲ ዋንጫ ክትዛዝሞ ተገዲዳ ኣላ።

ሜሲ አብዚ ናይ ሎሚ ግጥም ሽቶ ብምዝጋቡ እቲ አብ 6ተ ግጥም ፍጻመ ኮፓ ዲ ረይ ሽቶ ዘመዝገበ ናይ ፈለማ ተጻዋታይ ኮይኑ ይርከብ።

በዚ ናይ ሎሚ ስዕረት ተከቲሉ ኣስልጣኒ ባርሳ ቫልቨርደ ብ ወልንትኡ ካብ ምስልጣን ክእለ እዩ ክብላ ጋዘጣታት ስፓኛ ይጽሕፋ ኣለዋ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com