Monday , April 29 2024
Credit: Tomas Oneborg/SvD/TT

ዶክተር ስቶክሆልም፡ “ኮቪድ-19 ክንዲቲ እተተስፈናዮ ኣይጎደለን”። 

ኣብታ ብብዝሒ ህዝቢ ዝቕመጣ ዞባ ሽወደን ሕጂ’ውን ኣማኢት ሰባት ብ ኮቪድ ተታሒዞም ኣብ ሆስፒታል ይእለዩ ምህላዎም ተገሊጹ።

ኣብቲ ዞባ ክኢላ መብጣሕቲን ኣመሓዳሪን ማሕበር ሓካይም ሽወደንን ጆሃን ትሪረድ ን ሬድዮ ሽወደን P4 ስቶክሆልም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “ኣብዚ ምምሕዳር ዛጊት ካብ 300-400 ዝኾኑ ሕሙማት ኣብ ሆስፒታል ይእለዩ ኣለዉ፡ ኮቪድ-19 ክንድቲ እተተስፈናዮ ኣይጎደለን” ክብል ገሊጹ’ሎ።

 

ሽወደን መምርሒታት ኮቪድ-19 ካብ እተልዕል ዳርጋ ወርሒ መሊኣ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com