Friday , April 26 2024
Olaf Scholz (AP Photo/Markus Schreiber, Pool)

ጀርመን፥ ሰልፊ SPD ልዕልና ይጭብጥ

ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራት ኣብ ልዕሊ ብኣርሚን ላቸት ዝምራሕ ዓቃባዊ ሰልፊ ጸብለልታ ኣርእዩ ምህላዉ: ክትዕ እዞም ሰልፊታት ብተሌቪዥን ቅድሚ ምትሕልላፉ: ኣብ ዝተኻየደ ሓደ ዳህሳስ: ተመልኪቱ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ብሰንበት ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ክትዓት: እቶም ሰለስተ ቀንዲ ሕጹያት: ማለት ኦላፍ ሾልዝ ካብ ሰልፊ SPD፥ ኣርሚን ላሼት ካብ ቀጽሪ ዓቃባውያን (CDU) ከምኡ ውን ኣናሌና ባኤርቦክ (ካብ ሓምላይ ሰልፊ): ድሕሪ ምስንባት ኣንገላ መርከል: ስልጣን ቻንስለርነት ንምጭባጥ ክወዳደሩ እዮም።

ብመሰረት Insa ዘካየዶ ዳህሳስ: ሰልፊ SPD ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ብ 1% ብምውሳኽ ናይ 26% ናይ ህዝቢ ደገፍ ረኺቡ ኣሎ። ድሕሪ 2017 SPD ክንድዚ ዝኣክል ደገፍ ክረክብ እዚ ፋልማዩ እዩ።

ሰልፊ ቀጽሪ ዓቃባውያን: ዝረኸቦ ደገፍ ከየተቐየረ: ኣብ 20% ክረክብ እንከሎ ሓምላይ ሰልፊ: 15% በጺሑ’ሎ።

 

ብዙሓት ሰባት ንመን ክመርጹ ከም ዘለዎም ገና ከም ዘይወሰኑ ዝገለጸ ላሼት እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምርጫ ምዃኑን ክሳብ 26 መስከረም ዝበዝሐ ድምጺ ንምርካብ ሰልፉ ኣብ ተሸብሸብ ምህላዋን ንሬድዮ DLF ገሊጹሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com