Tuesday , April 30 2024

ጀርመን “ሊዮፓርድ 2” ዝተባህላ ታንክታት ናብ ዩክሬይን ክትልእኽ እያ።

ጀርመን ናብ ዩክሬይን “ሊዮፓርድ 2” ዝተባህላ ታንክ ክትልእኽ ምዃና፡ ቻንስለር ኦላፍ ሾልዝ ገሊጹ። እዚ ሓገዝ ጀርመን ነታ ሃገር ዘለዋ ደገፍ ንምግላጽ፡ ካልኦት ሃገራት ከኣ ተመሳሳሊ ስጒምቲ ንኽወስዳ ንምድራኽ ተባሂሉ ዝተገብረ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። “ሊዮፓርድ 2” ስርሓት ጀርመን ዝኾና ታንክታት እየን። ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ናብ ዘየድሊ ኣንፈት ከይዓርግ ብዝብል ስግኣት፡ ጀርመን ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓዳ ዝፈረየ ኣጽዋር ናብ ዩክሬይን ክትልኽ ከም ዘይጸንሐት ቢቢሲ ገሊጻ’ላ። እንተኾነ ግና ድህሪ ኣህጒራዊ ጸቕጢ፡ ሾልዝ 14 ታንክታት “ሊዮፓርድ 2” ናብ ዩክሬይን ክልእኽ ምዃኑ ኣፍሊጡ’’ሎ።

ብውሕዱ 16 ሃገራት ኣውሮጳን ኣባላት ኔቶን፡ “ሊዮፓርድ 2” ዝተባህላ ታንክታት ከም ዘፍርያ፡ “ኣህጒራዊ ትካል ስትራተጅያዊ መጽናዕቲታት” ይገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com