Monday , April 29 2024

ጂሚ ኦክሶን፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ

ኣብ መንጎ መራሕቲ ሰልፍታት ዝተኻየደ ንመጠን ተኣማንነት ዝምልከት ምርጫ፡ መራሒ ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራትና ዝኾነ፡ ጂሚ ኦክሰን፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ መበል ካልኣይ ደረጃ ምስርዑ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብቲ ብመንገዲ ኦንላይን፡ ዝተኻየደ ምርጫ፡ 1100 ሰባት ከምዝተሳተፉን፡ ጂሚ ኦክሰን፡ ንመራሒ ሰልፊ ሞደራትና ዝኾነ ኦልፍ ክሪስተርሾን 48% ተኸቲሉ ብ 36%  ኣብ ካልኣይ ደረጃ ከምተሰርዐን፡ ሓላፊ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ስቴፋን ሎቬን ድማ ብ34% ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ምስርዑ ተፈሊጡ ኣሎ። መራሒት ሰልፊ ሊበራል፡ ንያምኮ ሳቡኒ፡ ብ10% ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ከምትርከብ እቲ ጸብጻብ ብተውሳኺ ኣፍሊጡ።

ጠንቂ ምውሳኽ መጠን ተኣማንነትሊ፡ ጂሚ ኦክሰን፡ ሓድሽ ተኣማንነት ስለዝተወሰኸ ዘይኮነስ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝተራእየ ምጉዳል ተኣማንነት ምዃኑ ኣፍቶንብላደት ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com