Monday , April 29 2024
Flowers and drinks are placed in front of a building where a fire broke out in Osaka, western Japan (AP Photo/Chisato Tanaka) XCT602

ጃፓን . . . ብሰንኪ ሓደጋ ባርዕ፡ 27 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ኦሳካ፡ ጃፓን፡ ብሰንኪ ኣብ ሓደ ህንጻ ዝተኸስተ ባርዕ፡ 27 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዚ ሓደጋ ባርዕ፡ ኮነ ተባሂሉ ብሰብ ዝተሳወረ ድዩ ወይስ ካልእ ንምጽራይ፡ ፖሊስ ኣብ መርመራ ምህላዎም NHK ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ነቲ ኣብ ራብዓይ ደርቢ እተኸስተ ባርዕ ድሕሪ ምጥፍኦም በቲ ባርዕ ዝጠቀረ መሳዂቲን መናድቕን እቲ ህንጻ ዘርኢ ደረቕን ተንቀሳቓሲን ስእሊታት ተዘርጊሑ’ሎ። በዚ ባርዕ ኣብቲ ራብዓይ ደርቢ ዝነበሩ 27 ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ድማ ተጸብጺቡ። እቲ ባርዕ ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ኣብ ውሽጢ 30 ደቓይቕ ብ መጥፋእቲ ሓዊ ከም ዝጠፍአን 20 ትርብዒት ሜትሮ ዝኸውን ኣካል ናይቲ ህንጻ በቲ ባርዕ ከም ዝዓነወን እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።

እቲ ህንጻ ኣብ ሓደ ዕሙር ናይ ንግድን ምዝንጋዕን ከባቢ ኦሳካ ዝርከብ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ዜና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ጃፓን 36 ሰባት ግዳይ ዝገብረ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙዋ ምንባሩ ወሲኹ ኣዘኻኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com