Sunday , April 28 2024
The requirement for face masks will be removed next week, British Prime Minister Boris Johnson has said.(Kirsty O'Connor, Pool via AP) LFP158

ጆንሶን . . . ለብዳ ኦሚክሮን ብምንካዩ፡ ሕጊ ምኽዳን ማስክ ኣብቂዑ

ማዕበል ኦሚክሮን ኣብ ጥርዙ በጺሑ ንታሕቲ ይወርድ ብምህላዉ፡ ናይ ኣፍ ማስክ ምጥቃም ዝርከቦም ካልኦት ሕግታት ካብ ዝመጸእ ሰሙን ክውገድ ምዃኑ ቀድማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት፡ ሕጊ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት ምርኣይ ኣተኣታትያ ምጽናሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ዘለዎ ቦታታት ድማ፡ ማስክ ምጥቃም ሓጊጋ ነይራ። ይኹን እምበር እዚ ሕጊ፡ ኣብ ዕለት 24 ጥሪ ከኽትም `ዩ፡፡ እዚ ዝኾነሉ ዘሎ፡ ቁጽሪ ናይ ቶም ኣብዚ ሰዓት `ዚ ብኮቪድ-19 ብጽኑዕ ሓሚሞም ዘለዉ ሰባት ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ይሕብር ስለ ዘሎ እዩ ክብል፡ ጆንሶን ኣብ `ቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ባይቶ ሓባራዊ ቤት-ምኽሪ ገሊጹ፡፡

ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ ገዛ ናይ ኣፍ ማስክ ምጥቃም፡ ብፍላይ ብዛዕባ ምስ ዘይትፈልጦም ሰባት ኣብ ትዘናጋዓሉ ግዜ ናይ ኣፍ ማስክ ምጥቃም ዝምልከት ምኽሪ ምሃብ ክንቅጽሎ ኢና፡ ድሕሪ ምባል ከኣ፡ ኣብ`ቲ ብሪጣንያውያ ዝተመያየጡሉ ቅኑዕ ውሳኔ ውን እምነት ኣሎና“ ኢሉ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com