Monday , April 29 2024
A car sits flipped over by a tornado in Bowling Green, Ky., Saturday, Dec. 11, 2021. (AP Photo/Michael Clubb) KYMC131

ጆ ባይደን፡ ብህቦብላዊ ማዕበል ንዝተሃስያ ስቴታት፡ ክሕግዝ ምዃኑ ቃል ኣትዩ

ፕረሲደንት ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ነተን ብህቦብላዊ ማዕበል ዝተሃስያ ማእከላይ ስቴታት ኣመሪካ ንምሕጋዝ ኲሉ ዝኽእሎ ክገብር ድሉው ምዃኑ ገሊጹ።

ንሱ ኣዋጅ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ፈደራል ብምኽታም ነታ በዚ ባህርያዊ ሓደጋ ኣመና ዝተሃስየት ኬንታኪ፡ ማዕከን ፈንዩላ’ሎ። እዚ ህቦብላዊ ማዕበል ንፋስ፡ ኣብ ኣመሪካ ካብ ዘጋጠሙ ተመሳሰልቲ ሓደጋታት እቲ ዝኸፍአ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብዚ ብቕድሚ ትማሊ ዘጋጠመ ማዕበል ኣብ ኬንታኪ ፋብሪካ ሽምዓ ዝነበሩ ልዕሊ 70 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ነቶም ኣመና ዝተሃስዩን ኣብ ሕክምና ዝርከቡን ሓዊስካ መጠነ ሞት ናብ 100 ክብ ክብል ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ሜይፊልድ፡ ናይ ህጹጽ እዋን ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ፍርስራሳት ህይወት ናይ ምድሓን ስራሕ የሳልጡ ምህላዎም ጸብጻብ ቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ። ዛጊት 40 ሰባት ካብዚ ፍራሳት ወጺኦም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com