Friday , April 26 2024
Credit: Johan Nilsson/TT

ገለ ገበናት ብርሕቀት ንምምርማር ዘኽእል ስራሕ ይዕመም ኣሎ።

ፖሊስ፡ ብቚዕ ስታፍ ኣብ ምቚጻር ከምኡ’ውን ከምዚኦም ዝበሉ ኣባላት ኣብ ምዕቃብ ተሸጊሮም ምህላዎም ተገሊጹ። ብምኽንያት እዚ ሕጽረት፡ ዝምልከቶ በዓልመዚ ካብ ስቶክሆልም ርሕቕ ኢሎም ዝሰርሑሉ ኣገባብ ከዳሉ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ውሽጣዊን ዞባዊን ኣገልግሎት ብስሉጥ መታን ክካይድ ብዝብል ምኽንያት፡ ፖሊስ ገለ ስርሒታት ድሮ ካብ ስቶክሆልም ወጻኢ ክግዕዝ ምግባሮም ዝገለጸት ሬድዮ ሽወደን፡ ገለ ገበናት ብርሕቀት ንምምርማር ዘኽእል ስራሕ ይዕመም ምህላዉ ወሲኻ ኣመልኪታ። ካብ ጽድያ ንደሓር፡ ፖሊስ ምዕራብ ሽወደን ን ሓይሊ ፖሊስ ስቶክሆልም ብምውካል ከም ቅትለት ዝመሰሉ ዓበይቲ ገበናት ክምርምሩ ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com