Wednesday , May 1 2024

ጉምሩክ ሽወደን፥ ዘይሕጋዊ መደንዘዚ ሸጓጒጥ ኣብ ትሕቲ ቚጽጽር የእቱ

Credit: Swedish Customs

ልዕሊ 80 ዘይሕጋዊ መደንዘዚ ጠበናጁ ዝሓዘ ሓደ ጽዕነት ብጉምሩክ ሽወደን ተታሒዙ። እቲ ኣጽዋር ናብ ከተማታት መላእ ሽወደን ክበጽሕ ዝተላእከ ኮይኑ፡ ብማእከላይ ገምጋም ዕድሚኦም 69 ናብ ዝኾኑ ዓማዊል ዝጠለብዎ ምንባሩ ተፈሊጡ’ሎ። “ነዚ ገበን ዝፈጸሙ፥ ቅድሚ ሕጂ ገበን ምፍጻሞም ኣብ ፖሊስ መዝገብ ዘይብሎም ተራ ሰባት እዮም” ይብል ማርሴል ጋባራ ዝተባህለ መርማሪ ጉምሩክ ሽወደን፡፡ ብዙሓት ካብዞም ሰባት ነቲ ኣጽዋር ኣብ መወዓውዒ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምርኣይ ከምዝገዝእዎ ጋባራ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com