Monday , April 29 2024

ጋና . . . ብሓደጋ ምፍንጃር: 17 ሰባት ሞይቶም 

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ጋና: ኣብ ጥቓ ማእከል ዕደና ብዘጋጠመ ምፍንጃር: 17 ሰባት ምሟቶም ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም።

እቲ ሓደጋ: ንዕደና ዝኸውን ተፈንጀርቲ ባእታታት ጽዒና ዝነበረት ተሽከርካሪት ምስ ሞተርሳይክል ብምግጫዋ ከም ዝሰዓበ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊጾም ኣለዉ።

ስእልታት እቲ ብትኪ ዝተዓብለኸ ከባቢ፥ ኣካላት ግዳያትን እቲ ተፈንጀርቲ ዝፈጠሮ ጒድጓድን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብብዝሒ ይዝርግሑ ኣለዉ።

ብሰንኪ እዚ ሓደጋ: ቦጎሶ: ከተማ ደቂሕድርትና እያ ኮይና ዘላ ክብል ላዕለዋይ በዓልመዚ ወኪል ምክልኻል ሓደጋታት: ሰድዚ ኣመዶኑ: ን AFP ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ። በዚ ምፍንጃር 500 ኣባይቲ ከም እተጐድአን ገሊኡ ጨሪሱ ከም ዝዓነወን እቲ በዓልመዚ ወሲኹ ገሊጹ።

ብዘይካዚ: 59 ሰባት ከም ዝቘሰሉን ካብዚኣቶም ገሊኦም ብኸቢድ ከም እተሃስዩን ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com