Monday , April 29 2024

ግብጻዊት ጸሓፊት፡ ነዋል ኣልሳዕዳዊ፡ ዓሪፋ

ብደፋር ብርዓ እትልለ፡ ግብጻዊት ተጣባቒት መሰል ደቀንስትዮ፡ ነዋል ኣልሳዕዳዊ፡ ኣብ መበል 89 ዕድሜኣ ዓሪፋ።

ሓያልን ሓደገኛን ሰብ ኢኺ” ይብሉኒ፡ ኣነ ኸኣ እብሎም –ሓቂ እንድየ ዝዛረብ ዘለኹ፡ ሓቂ ኸኣ ብባህሪኣ ሓያልን ሓደገኛን እንድኣላ ይብሎም ነይረ ክትብል ኣብ ሓደ እዋን፡ ነዋል፡ ተዛሪባ ነይራ። ዶ/ር ናዋል ኣልሳዕዳዊ፡ ኣብ ዘመነ ህይወታ ብርክት ዝበሉ ንመሰል ደቀንስትዮ ማእከል ዝገበሩ ዓበይቲ ልብወለዳት፡ ዓንቀጻት፡ ታሪኽ ህይወትን ካልእን ጽሑፋት ደሪሳ፡ ሚልዮናት ዝከታተልዎም ናይ ዘተ መኣዲታት ከኣ ተሳቲፋ እያ።

ሕብእብእ ዘይፈልጥ ጽሑፋታ፡ ከምኡውን ፖለቲካዊ ዕጫ ደቀንስትዮ ንምምሕያሽ ዝነበራ ክምህ ዘይብል ተወፋይነትን ንወለዶታት ምንጪ ሓይሊ እዩ ኔሩ። እዚ ግና ገዚፍ ዋጋ ኣኽፊልዋ።

ማእሰርቲ፥ ቊጥዐን ናይ ሞት ምፍርራህን ፈጺሙ ዘይፍለያ ተባዕ ጸሓፊት እያ ነይራ–ክብል ወኪል ቢቢሲ ኣብ ግብጺ፡ ያስሚን ታይለር ኮልማን፡ ሓቢራ።

ኣልሳዕዳዊ ካብ ካይሮ ውጽእ ኢልካ ኣብ እትርከብ ገጠር፡ ኣብ 1931፡ እያ ተወሊዳ። ኣቦኣ ውሑድ ዝደሞዙ በዓልመዚ መንግስቲ፡ ኣዲኣ ግና ካብ ሃብታም ስድራ እትውለድ እያ ነይራ። ኣልሳዕዳዊ ጓል 13 ዓመት እንከላ ቀዳመይቲ ልበ ወለድ ድርሰታ ምቕራባ ይፍለጥ። ወለዳ ጓል 10 ዓመት እናሃለወት ከመርዕዉዋ ድሌት ኔርዎም። እንተኾነ ግን፡ ንሳ፡ ፍጹም ኢላ ብምቅባጻ፡ ኣዲኣ ድማ ከም ድላያ ክትከውን ደገፈታ። ድሕሪ’ዚ፡ ወለዳ ኣብ ትምህርቲ ክትነፍዕ ኣተባብዕዋ። ኣልሳዕዳዊ ኣብ ቤት ትምህርቲ እናሃለወት ሕብረተሰብ ንኣወዳትን ኣዋልድን ዝህብዎም መሰል ዝተፈላለየ ምንባሩ ክትርኢ ከኣለት። ዓባያ፡ 15 ደቀንስትዮ ክንዲ ሓደ ወዲተባዕታይ ኣይመጻን እየን፡ ጓል ሸኽሚ እንዳኣላ! ምስ በለታ፡ ብሕርቃን ነዲዳ በእጋራ መሬት ምጥብጣባ ኣብ ድርሳን ህይወታ ትሕብር። ንሳ ብፍላይ ነቲ ጓል 6 ዓመት እንከላ ጀሚራ ብዓይና ዝተዓዘበቶ ምኽንሻብ ደቀንስትዮ፡ ዓቢ በሰላ ከም ዝገደፈላን ዓንዲ ማእከል ቃልሳ ከም ዝገበረቶን መሓዛኣን ተርጓሚ ስርሓታን፡ ዶ/ር ኣሚን፡ ይገልጽ።

ኣልሳዕዳዊ ሕማቕ እንተሪኣ ትም ክትብል ዘይሕሰብ እዩ። ፍርሂ ዝበሃል ኣይትፈልጥን እያ። ኣልሳዕዳዊ ካብ ብርክት ዝበላ ዩኒቨርሲታት ናይ ክብሪ ዶክተርነት ኣብ ልዕሊ ምቕባላ መጽሄት ታይምዝ (2020) ኣዝየን ጸለውቲ ደቀንስዮ ዓለምና ኣብ ዝብል ሕታሙ ኣብ ገበር እቲ መጽሔት ኣውጺእዋ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com