Monday , April 29 2024
Zara Rutherford, 19, has landed at Kortrjik Airport in Belgium. (AP Photo/Geert Vanden Wijngaert) VLM122

ጓል 19 ዓመት ኣብራሪት ነፋሪት፡ ክብረ ወሰን ትሕዝ

ቤልጅማዊት እንግሊዛዊት ጓል 19 ዓመት ዝኾነት፡ ዛራ ሩዘርፎርድ፡ ብውልቃ፡ ንዓለም ብነፋሪት ብምዛር  እታ ዝነኣሸት ጓል ኣንስተይቲ ኣብራሪት ብምዃን ሓድሽ ክብረ ወሰን ከም ዘመዝገበት ተፈሊጡ። በረራ ጀሚራ፡ ድሕሪ 155 መዓልታት፡ ነታ ኣዝያ ፎኳስ ዝኾነት ነፋሪታ ኣብ ምዕራብ ቤልጅየም ከምዘዕረፈታ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቲ በረራ፡ 3 ኣዋርሕ ክወስድ እኳ ተተሊሙሉ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት ኣየርን ቪዛ ንምርካብ ብዝተፈጥረ ሕልኽላኻትን እቲ ጉዕዞ ከም ዝናዋሕ ኮይኑ። ብተወሳኺ ድማ ካብቲ ካብ ዝነደደ በረኻታት ዝዓርግ ዝነበረ ትኪን ኣብ መንገዲ ዘጋጥም ዝነበረ ኣውሎ ንፋስን ዝተላዕለ እታ ኣብራሪት ንነዊሕ እዋናት ካብ መንገዳ ትዳኗገ ከም ዝነበረትን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ብሓፈሻ ሩዘርፎርድ፡ ኣብ 5 ኣህጉራት ከም ዘዕረፈትን ልዕሊ 41 ዝኾና ሃገርት ድማ ከም ዝበጽሐትን ይፍለጥ።

ቕድሚ ሕጂ፡ እዚ ክብረ ወሰን፡ ብሓንቲ ሻይስታ ዋይዝ ዝተባህለት ኣፍጋኒስታናዊት-ኣሜሪካዊት ዝኾነት ጓል ተታሒዙ ዝነበረ ኾይኑ ኣብቲ እዋን ማለት ድማ ኣብ ዓመተ 2017 ነቲ ኣብ ዙሪያ ዓለም ዝነበራ በረራ ክትዛዝም ከላ ጓል 30 ዓመት ከምዝነበረት ይዝከር።  

(AP Photo/Geert Vanden Wijngaert) VLM120

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com