Saturday , April 27 2024

ጥርጡር ግብረሽበራ ብፌይስቡክ ጅሃዳዊ ፕሮፖጋንዳ ከጋውሕ ምጽንሑ ተፈሊጡ

Credit: Magnus Lejhall/TT, Skärmdump

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ግብረሽበራዊ ገበናት ንምፍጻም ውዲት ፈጺሞም ተባሂሎም ተጠርጢሮም ካብ ዝተኣስሩ ክልተ ኣሕዋት ሓደ ብኢንተርነት ጅሃዳዊ ፕሮፖጋንዳ ክዝርግሕ ምጽንሑ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣጣሊላ። ክልቲኦም ኣሕዋት ሃይማኖቶም ናብ ዝቐየሩ ኮይኖም፡ ሓደ ካብቲ ሓው ኣብ ፌስቡክ ዝዘርግሖ ናይ መወዳእታ ስእልታት ፕሮፋይል ምስ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ዳዕሽ ዝተኣሳሰር ሕሳብ ፕሮፖጋንዳ ዘርኢ እዩ። ብመሰረት ኣገልግሎት ስለያ ሳፖ፡ እቶም ኣሕዋት ዝጥርጠሩሉ ገበን ምስ ኣብ ሶማልያ ዝንቀሳቐስ ጨንፈር ዳዕሽ ምትእስሳር ዘለዎ እዩ። ፖሊስ ኣብ ስካን ዘጋጠመ ክልተ ተኹሲታት ኣመልኪቱ መርመራ የካይድ ኣሎ። ምስዚ ተዂሲ ብዝተኣሳሰር ኣብ ክርስቲያንስታድ ኣብ 20ታት ዕድመ ዝርከብ መንእሰይ ብኸቢድ ድሕሪ ምቚሳሉ ኣብ ሆስፒታል ምሟቱ ተፈሊጡ። ኣብ ማልሞ’ውን፡ ኣብ 30ታት ዝርከብ መንእሰይ ብከቢድ ቆሲሉ ጽዑቕ ሕክምና ይካየደሉ ምህላዉ ተፈሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com