Monday , April 29 2024
Foto: Henrik Montgomery / TT kod 10060

ጥዕና ኣእምሮ ኣካል ካሪክለም ክኸውን ጻውዒት ቀሪቡ።

ቈልዑ ልክዕ ከም ስፖርት ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ እውን ክመሃሩ ከም ዝግብኦም 16 ኣብ ጥዕናን ድሕነትን ቈልዕ ኣሰርሓ ውድባት ጻውዒት ኣቕሪበን።

ካብ 1 ክሳብ 15 ዝዕድሜኦም ቈልዑ ሽወደን ብስእነት ጥዕና ኣእምሮ ከም ዝሳቐዩን ጸረ ጭንቀት መድሃኒት ዝወስዱ ቆልዑ ቊጾም ክውስኽ ምርኣይ እውን እናተለምደ ምምጽኡን እተን ውድባት ኣብቲ ጻውዒተን ኣመልኪተን ኣለዋ።

ኣብ ክፍሊ ዝወሃብ ምህሮ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ንቆልዑን መንእስያትን እዚ ሽግር ፈጺሙ ከይዓብልሎም እናሃለወ ብኸመይ ክገላገሉ ከም ዘለዎም ገለ ጥበብ ከስንቖም ይኽእል እዩ ክብሉ እቶም ውድባት ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com