Sunday , April 28 2024

ጽልዋ ቁጥዐ ኣብ ስድራቤት

ክብርታቱ ከውሕስን ይኽእል። ኣብ ውሽጢ ኣባላት ስድራቤት ቁጥዐ ምስ ዘጋጥም ግን ብኸመይ ኢና ንፈትሖን ንጽግኖን? ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝፈረሰ ዝምድናኸ ብኸመይ ንጽግኖ? እዞም ዝስዕቡ ገለ ካብቶም ክኢላታት ናይዚ ዓውዲ ዘቕርቡዎም ነጥብታት’ዮም። ቍጥዐ ሓደ ካብቶም ኣብ ዝምድናታት ዘጋጥም ዝውቱር ኣሉታዊ ባህሪያት’ዩ። ቁጥዐ ንሓዳር ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ሕማቕ ባህሪያት’ዩ። ብርግጽ ድማ ክውገድ ዘለዎ’ዩ።

ብርግጽ ድማ ክውገድ ዘለዎ’ዩ። ቁጥዐ ብዙሕ ግዜ ኣብቶም ዘይውሑስ ዝምድናታት ዘለዎም ስድራቤታት’ዩ ዝርአ። እዚ ከኣ ክፉት ምብህሃል ይጎድል እሞ ናይ ፍቕሪ ስምዒት ኣብ ትሕቲ’ቲ ንዓመታት ዘቑጸረ ጓሂ ወይ ቅሬታ ተቐቢሩ ይተርፍ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ዝምድናታት ዝነብሩ ስድራቤታት ድማ ግዳይ ተስፋ ምቝራጽ ክኾኑን ብዛዕባ መጻኢኦም ክጠራጠሩን ግድን ይኸውን። እቲ ጽቡቕ ዜና ግን፡ ዝኾነ ዝምድና ግዳይ ቁጥዐ ዋላ ይኹን፡ ተስፋ ከይቆረጽካ፡ ምስ ክኢላታት እናተላዘብካ ንምሕዳሱን ንምፍዋሱን ጻዕሪታት ምክያድ’ዩ። ምስ ግዜ ድማ እቲ ጠንቂ ምፍራስ ዝምድናታት ዝኾነ ኣብ መንጎ ኣባትላት ስድራቤት ዘጋጥም ቁጥዐ ካብ ሱሩ ተማሕዩ እታ ስድራ ሰላምን ፍቕሪን ክዓስላ ይኽእል። እዞም ዝስዕቡ ኣብ ዝምድናታት ንዘጋጥም ቁጥዐ ብኸመይ ተውሕዶ (ትድርቶ) ዝሕግዙ ነጥብታት’ዮም።

  1. ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰብ ቁጥዐ ምስ ዝህልወካ ተቐዳዲምካ ንኩነታት ውሽጣዊ ስምዒትካ መርምር። ንርእስኻ ድማ ንምንታይ’የ ቁጥዐ ዝስምዓኒ ዘሎ ኢልካ ሕተታ።
  2. ቅድሚ ዝተጠቕዐ ወይ ዝተሃስየ ኮይንካ ምስማዕካ፡ ዝስምዓካ ጥርጣረ ንኻልኦት ሰባት ኣካፍል። በዚ ኸኣ ካብ’ቲ ክመጽእ ከም ዝኽእል እትጽበዮ ሳዕቤን ቁጥዐ መህደሚ ክትረክብ ይሕግዘካ።
  3. ንገዛእ ርእስኻ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ዘለካ ጠመተ ሕጋዊ ወይ ቅቡል ምዃኑ ሕተታ።
  4. ናይ ምብህሃል መስመራትካ ክፉት ግበሮ። ናይ ቅሬታ ወይ ሓዘን ስምዒታት ምስ ዝህልወካ፡ ብግቡእ ዘርዝሮ’ሞ ምስ እተፍቅሮ ሰብ ኮይንካ ተላዘብሉ – መፍትሒ ድማ ክትረኽበሉ ኢኻ።
  5. ምስቶም ኣብ ልዕሌኻ ቁጥዐ ዝፈጥሩ ወገናት ተሳትፎኻ ከመይ ከምዘሎ መርምር። ክስተኻኸል ዝግብኦ ነጥብታት ምስ እትረክብ ድማ ቀልጢፍካ ኣስተኻኽሎ።
  6. ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራቤት ይኹን ምስ ካልኦት ውልቀ-ሰባት ቁጥዐ ከጋጥም ንቡር ምዃኑ ተረዲእካ፡ ንዝፈጥረልካ ስምዒት ካብ ምቁጽጻርካ ወጻኢ ከይከውን ሓልዎን ተቖጻጸሮን። ስድራቤተይ ወይ መጻምደይ ናይ ቁጥዐ ጸገም ከምዘለዎም ብኸመይ እፈልጥ?

ቁጡዓት ሰባት ዝበዝሕ ግዜ ቁጥዐኦም ናይ ምቁጽጻር ጸገም ከምዘለዎም ይፈልጡ’ዮም። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ቁጡዓት ሰባት ንቑጥዐኦም ከም ሓደ ክልወጥ ዘይክእል ኣካል ህይወቶም ስለ ዝቖጽርዎ’ዮም ንምቕያሩ ተስፋ ዝቖርጹ። ስለዚ፡ ስድራቤትካ ወይ መጻምድኻ ናይ ቁጥዐ ጸገም ከምዘለዎም ትጥርጥር እንተዄንካ፡ እዞም ዝስዕቡ ምልክታት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ተመልከት’ሞ ከም መረጋገጺ ክጠቕሙኻ’ዮም።

  1. ኣብ ሓደ ፈኲስ ጭንቀትን ሕርቃንን ካብ ንቡር ንላዕሊ ቁጡዕ ምዃን።
  2. ብዛዕባ ዝተዛረብካዮ ጉዳይ ገበናዊ ስምዒት ምህላውን ወይ ብዛዕባ ዝበልካዮ ነገር ጣዕሳ ምስማዕን።
  3. ከምኡ’ውን ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ተደጋጋሚ ግጭት ምዝውታርን ኣብ ዘይተደልየ ማለት ክሳብ ሕጊ ምጥሓስ፡ ምብኣስ፡ ንብረት ምዕናው፡ ትምህርቲ ወይ ስራሕ ምብኳር ወዘተ ዝበጽሕ ሕርቃን ምዝውታር።
  4. ስድራቤትካ ወይ ኣዕሩኽትኻ ድማ ቁጥዐኻ ክትቆጻጸር ከምዘለካ ምስ ዝሕብሩኻ።

ቁጥዐኻ ንምፍዋስ ሓገዝ ካበይ ትረክብ?

– ቁጥዐ ክፍወስ ዝኽእል ማሕበራዊ ጸገም’ዩ። ከምቲ ቀስ ኢሉ ዝምዕብል ክፍወስ እንከሎ ድማ ቀስ ኢሉ’ዩ ዝፍወስ። ስለዚ መጀመርያ ቁጥዐኻ ክትፍውስ እንተደሊኻ ካብ ኣባላት ስድራቤትካን ፈተውትኻን ዝወሃበካ ምኽሪን ማዕዳን ተቐበል። እቲ ምንታይ ምኽሪን ማዕዳን ፈተውትኻ ምቕባል መሰረታዊ መፍትሒ ቁጥዐ’ዩ። ነዚ ዘይሰምዕ ግን ኣብ ሕማቕ ክውድቕ ግድን’ዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com