Monday , April 29 2024

ፊንላንድ፡ ቱሪዝም ርኡይ ዕቤት የመዝግብ

Credit: Turi Wennberg

ዓሚ ካብ መጋቢት 2023 ክሳብ ለካቲት 2024፡ ፊንላንድ ርኡይ ዋሕዚ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ከም እተቐበለት ተገሊጹ። ኣብዘን ኣዋርሕ 4.7 ሚልዮን መገሻታት ናብታ ሃገር ተኻይዱ እዩ። ብመሰረት ናይ ቀረባ እዋን ሓበሬታ “ቪዚት ፊንላንድን” እዞም በጻሕቲ ኣብ ሓደ መገሻ ብማእከላይ ገምጋም 807 ዩሮ ወጻኢታት ከምዝገበሩን፡ እዚ ድማ ብድምር ኣስታት 3.8 ቢልዮን ዩሮ ከም ዝበጽሕን ተመልኪቱ። መብዛሕትኦም እዞም ዑደታት 73% ንምዝንጋዕ ዝዓለሙ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ 27% ድማ ምስ ንግዲ ዝተኣሳሰሩ እዮም። ኣብ ምሉእ ጻንሖቶም፡ ብድምር 46.7 ሚልዮን ናይ ለይቲ ጻንሖት፡ ምዝጉብን ዘይተመዝገበን መንበሪ ኣባይቲ ከም ኣጒዶ ክራይ፡ ናይ ሓጺር እዋን ክራይ፡ ከምኡ’ውን ምስ ኣዝማድ ምሕዳር ሓዊሱ፡ ማእከላይ ንውሓት ጻንሖት ናይ ሓደ መጻሓይ ኣርባዕተ መዓልታት እዩ ነይሩ። እዞም ዓለምለኻውያን በጻሕቲ ኣብ ፊንላንድ ዝገብርዎ ወጻኢታት፡ ካብ መንበሪ ገዛ፡ ኣብ ቤት መግብታትን ካፈታትን፡ ነዳዲ፡ መጓዓዝያ፡ ባህላውን ንጥፈታት ምዝንጋዕን፡ ክሳብ ዕዳጋን ካልእ ወጻኢታትን ዘጠቓልል እዩ። እዚ ኣሃዝ ካብን ናብን ፊንላንድ ዝወጽእ ወጻኢታት ዘጠቓልል ኣይኮነን። እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣብ ኣዋርሕ ክረምቲ ናብ ፊንላንድ ዝበጽሑ ሰባት ካብቶም ኣብ ሓጋይ ዝበጽሑ ዝያዳ ገንዘብ ከውጽኡ ከም ዝኽእሉ የጉልሕ። ኣብ መንጎ ኣዋርሕ ታሕሳስን ለካቲትን 1.2 ሚልዮን መገሻታት ተኻይዶም፥ ብጠቕላላ ዝተገብረ ወጻኢታት ከኣ 1.1 ቢልዮን ዩሮ ዝበጽሕ እዩ፡፡ እዚ ብማእከላይ ገምጋም ንሓደ መገሻ 916 ዩሮ ምዃኑ እዩ። ብኣንጻሩ፡ ካብ ሰነ ክሳብ ነሓሰ ኣብ ዝበዝሐሉ ኣዋርሕ ሓጋይ፡ 1.6 ሚልዮን መገሻታት ተኻይዪዶም እዮም። በጻሕቲ ዓዲ ብድምር 1.3 ቢልዮን ዩሮ ወጻኢ ብምግባር፡ ብማእከላይ ገምጋም ንሓደ መገሻ 801 ዩሮ ኣውጺኦም እዮም። ሓደ ካብቲ ፍሉጥ ተረኽቦታት እዚ ዳህሳስ፡ በጻሕቲ ክረምቲ ካብ ናይ ሓጋይ በጻሕቲ ብማእከላይ ገምጋም 115 ዩሮ ዝያዳ ወጻኢታት ምግባሮም፥ እዚ ፍልልይ ብኸፊል ምስቲ ዝቕባበን ልዑል ጠለብን ዝተኣሳሰር እዩ ተባሂሉ’ሎ። መስርሕ ቅድሚ ምዝገባ ካብ ወቕቲ ናብ ወቕቲ ይፈላለ እዩ። ናይ ክረምቲ ዕረፍቲ ብማእከላይ ገምጋም 3.4 ኣዋርሕ ኣቐዲሙ ዝሕዘ ኮይኑ፣ ኣብ ዕረፍቲ ሓጋይ ግን 2.3 ኣዋርሕ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com