Tuesday , April 30 2024
A closed restaurant in Helsinki last year. From Tuesday, restaurants are open until 9 p.m.

ፊንላንድ፡ ንቀይድታት ኮቪድ፡ ብዘገምታ ከተፍኩስ ምዃና ገሊጻ

ኣብ ፊንላንድ ዝርከቡ ቤት መግቢታት፡ ብዘይ መስተ፡ ክሳብ ሰዓት 9 ናይ ምሸት ክኽፈቱ ይኽእሉ። ንሲነማታት፡ ጂምናዝዩማትን ናይ ስፖርት ኣዳራሻትን ብዝምልከት ግን፡ ዝቐረበ ዝኾነ ይኹን ናይ መምርሒታት ለውጢ ከምዘየለ ተፈሊጡ’ሎ። እቶም ቤት መግቢታት ንተወሳኺ 3 ሰዓታት ተኸፊቶም ክቕጽሉ ዝኽእሉ ኮይኖም፡ ተወሰኽቲ ናይ እገዳታት ምፍዃስ መስርሓት ግን ኣብዚ እዋን’ዚ ክግበር ከም ዘይተኻእለ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳይትን ጥዕናን ፊንላንድ፡ ሃና ሳርኪነን፡ ኣፍሊጣ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ‘ትሑት ደረጃ ሓደጋ ’ ኣለዎም ተባሂሉ ዝእመነሎም ከም ባህላውን ስፖርታውን ንጥፈታት ተኣዊጆም ዝነበሩ ቀይድታት ብዝምልከት፡ ናይ ምፍዃስ መምርሒታት ክመሓላለፉ ትጽቢት ክግበር ከምዝከኣል ተሓቢሩ’ሎ። እዚ መምርሒ ብደረጃ ዞባ ዝውሰን ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ክትግበር ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ።

 ‘ትሑት ናይ ሓደጋ ደረጃ’ ከም ዘለዎም ኣብ ልዕሊ ዝበሃሉ ንጥፈታት ዘለው ቀይድታት፡ ምሉእ ብምሉእ ክውገዱ ልዑል ድሌት ከምዘሎ ይፍለጥ። ይኹን እምበር፡ መጠን ለበዳ፡ ካብ ዞባ ናብ ዞባ ስለዝፋላለ ኣገዳስነት ናይ ዞባዊ ቀይድታት ኣጉሊሑ ዘርኢ እዩ ክትብል ሳርኪነን ኣብቲ ብሓሙስ ምሸት ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ።

ብመሰረት እቶም ካብ ሰሉስ፡ ዕለት01 ለካቲት፡ ጀሚሮም ኣብ ተግባር ዝውዕሉ ሓደስቲ ቀይድታት፡ ኣብያተ መግቢ ክሳብ ሰዓት 8 ናይ ምሸት መግቢ ከቕርቡ ዝኽእሉ ኮይኖም፡  ክሳብ ሰዓት 9 ናይ ምሸት ድማ ኣገልግሎት ክህቡ ይኽእሉ እዮም። ቕድሚ ሕጂ ግና ክሳብ ሰዓት 6 ጥራሕ እዮም ዝኽፈቱ ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ኣልኮላዊ መስተ ድሕሪ ሰዓት 5 ናይ ምሸት፡ ክሸጡ ከምዘይግባእ Yle ጸብጺቡ’ሎ።

ኣብያተ መስተታት፡ ሰዓት 6 ናይ ምሸት ኽዕጸው ይግባእ።

ተወሳኺ ናይ ምፍዃስ ውሳኔታት ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ክውሰኑ ከም ዝኽእሉ ተፈሊጡ’ሎ።

 እቶም ቀይድታት፡ ምስቲ ሕጂ ዘሎ ናይ ለበዳ ኩነታት ክማዓራረዩ ይግባእ። ተስፋ ይገብር፡ እቲ ኩነታት ኣብ ቀረባ እዋን ተመሓይሹ፡ ተወሰኽቲ ናይ ምፍዃስ መስርሓት ንምትእትታው ዕድል ክኸፍትን ክትብል ሳርኪነን ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com