Sunday , April 28 2024

ፊንላንድ፡ ንጸረ-ዓሌትነት ዝድግፍ ምንቅስቓስ ክካየድ እዩ

ፊንላንድ ንጸረ ዓሌትነት ዘለዋ ደገፍ ንምርኣይ ትዳሎ’ላ ። እዚ ምድላው ምስቲ 21 መጋቢት 2024 ዝካየድ ኣህጉራዊ መዓልቲ ጸረ ዓሌትነት ሕቡራት ሃገራት ብሓደ ገጢሙ’ሎ። ኣብዚ ሰልፊ ካብ ኩሉ ጽፍሕታት ህይወት ዝመጹ ፊንላንዳውያን ናብ ጎደናታት ሄልሲንኪ ወጺኦም ንብዙሕነትን ማዕርነትን ዘለዎም ደገፍ፥ ብሓፈሻ ን ጸረዓሌትነት ከብዕሉ እዮም። ማሕበር ጸረ ዓሌትነት ኣፍሪቃ ፊንላንድ (AFARS) ሓዊሱ ብሕብረት ውድባት ጸረ ዓሌትነት ፊንላንድ ዝተዳለወን ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ፊንላንድን ካልኦትን ዝድገፍን እዚ ሰልፊ ፣ ኣብ ዓሌትነት ዝጸንሐ ዘተ ንምዕባይን ብግልጺ ንኹሉ ዝሓቁፍ ሕብረተሰብ ንምፍጣርን ዕላማ ጌሩ ክንቀሳቐስ ጸኒሑ’ሎ። ኣበጋሲ ናይቲ መደብን ወኪል ኣፋርስ ዝኾነን ዩጂን ኡፎካ “ምስ ድምጺ ኩሎም ኣብ ፊንላንድ ዝነብሩ ኣብ ማዕርነት ዝኣምኑ ሰባት ክሰርሕ ድሌት ከም ዘለዎ” ገሊጹ’ሎ። እዚ ሰልፊ’ዚ ስማዊ ምንስቓስ ዘይኮነ ሃብታም ብዙሕነት ክቕጽል፥ ኩሉ ሰብ ከኣ ብዘይ ፍርሒ ኣድልዎ ይኹን ጽልኢ ብናጽነት ክነብር ዝኽእለሉ ንኹሉ ዝሓቁፍ ሕብረተሰብ ንምፍጣር ክሰርሕ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። እዚ ሰልፊ፡ ኣብ መላእ ፊንላንድ ዘተን ምርድዳእን ንምድንፋዕ ካብ ዝተዳለዉ ብዙሓት ፍጻመታት ብፍላኡ ዝጥመት እዩ። ኡፎካ ብዛዕባ ዓሌትነት ዝግበር ዝርርባት ንቡር ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ብምጉላሕ፡ “ዓሌትነት ከም ነውሪ ኣርእስቲ ክውሰድ የብሉን ሰባት ኣብ ቤት ትምህርቶም፡ ኣብ ስራሖምን መኣዲ ድራርን ክዛተዩሉ ዝኽእሉ ኣርእስቲ ክኸውን ይግባእ እዩ” ይብል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com