Thursday , May 9 2024

ፊንላንድ፡ ደቂተባዕትዮ ካብ ደቀንስትዮ ብዝለዓለ ክወልዱ ይደልዩ

ኣብ ፊንላንድ ትሕቲ 35 ዓመት ዝዕድሚአ ውላድ ክህልወን ዘይደልያ ደቂ ኣንስትዮ ብቚጽሪ እናወሰኻ ምምጽአን ብ “ትካል ጥዕናን ድሕነትን ፊንላንድ (THL)” ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣቃሊዑ። 73% ካብ 20–34 ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ ከምዘይወለዳን እቲ ትካል ጥዕና ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። እዚ ድማ ካብ 2017 ጀሚሩ ብሸሞንተ ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ። ብኣንጻሩ ቊጽሪ ናይተን ልዕሊ 35 ዓመት ዝዕድሚአን ናብ ሕርሲ ዝመጻ ደቀንስትዮ፥ ምስ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ብምውድዳር ወሲኹ’ሎ። ኣብ THL ሓላፊት መጽናዕቲ ረይጃ ክለመቲ ዝሓለፈ ሰሙን ንዋይ.ኤል.ኢ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ካብ ቀረባ ግዜ ኣትሒዙ ሰባት ምውላድ ክውዝፉ ምርኣይ እናተለምደ ይመጽእ ኣሎ ። ነዚ ተርእዮ ኣገዳሲ ዝገብሮ ኣብ ብዝሒ ህዝቢ እውን ይንጸባረቕ ምህላዉ እዩ። ኣስታት 39% ትሕቲ 50 ዓመት ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮን፥ 44% ከኣ ትሕቲ 50 ዓመት ዝዕድሜኦም ደቂተባዕትዮ ቆልዑ ክወልዱ ከም ዝደልያ እዮም ዝገልጹ። እዚ ብፍላይ ኣብቶም ካብ 20–29 ዝዕድሚኦም ሰባት ልሙድ ኮይኑ፡ 62% ደቀንስትዮን 69% ደቂተባዕትዮን ቆልዑ ክወልዱ ከም ዝደልዩ እቲ ስታቲስቲክስ ይሕብር። ደቂተባዕትዮ ካብ ደቀንስትዮ ብዝበዝሐ ቆልዑ ክወልዱ ከም ዝደልዩ እቲ ስታቲስቲክስ ወሲኹ የመልክት፡፡ ምኽንያት እዚ ተርእዮ ምውዛፍ ስራሕን ስድራቤትን ብሓደ ንምክዋን ዝጸንሐ ብድሆታት ክኸውን ከም ዝኽእል ክለመቲ ገምጋማ ኣቐሚጣ’ላ። “ንደቂ ኣንስትዮ ምውላድ ኣብ ህይወተን ዕቤት ከየርእያ ክድርተና ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ካብ ደቂተባዕትዮ ብዝለዓለ ይስምዐን እዩ ይብል እቲ ስታቲስቲስክ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com