Saturday , May 11 2024

ፊንላንድ፥ ብዝሒ ህዝቢ ከተማ ሄልሲንኪ ብቕልጡፍ ይዓቢ’ሎ

Julia Wall/AP/TT

ከተማ ሄልሲንኪ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርገሐቶ ደሞግራፍያዊ ትንበያ፥ ብዝሒ ህዝቢ እታ ከተማ ኣብ መወዳእታ 2022 ካብ ዝነበሮ 664,028 ኣብ 2027 ናብ ልዕሊ 700,000 ኣብ 2040 ከኣ ናብ 720 ሽሕ ክዓቢ ትጽቢት ከም ዝግበር ገሊጻ። እቲ ትንበያ ኣብ 2060 ዝውዳእ ኮይኑ ርእሰ ከተማ ፊንላንድ ኣብቲ ዓመት ቊጽሪ ህዝቢ ሄልሲንኪ 906 ሽሕ ክበጽሕ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ። ከተማ ኬልሲንኪ ኣብ 2024 ኣስታት 8,200 ሓደስቲ ነበርቲ ክትረክብ ካብ 2025 ጀሚሩ ድማ ብዓመታዊ ናህሪ ዳርጋ 7,000 ክትዓቢን ትጽቢት ኣሎ። ሎሚ ዓመት ብመሰረት ካብ ወርሓት ጥሪን ክሳብ ጥቅምቲ ዝተረኽበ መባእታዊ ሓበሬታ ብዝሒ ህዝቢ እታ ከተማ ብልዕሊ 10 ሽሕ ክዓቢ እዩ ዝብል ትንበያ ኣሎ። . እቲ ትንበያ ኣብ ዝተገብረሉ እዋን ዝተራእየ ዕብየት ቊጽሪ ህዝቢ ብቐንዱ ብምኽንያት ስደተኛታት ኮይኑ፡ ቊጽሪ ናይቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ህዝቢ እታ ከተማ ሕጂ’ውን ይቕጽል ኣሎ፡፡ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ድማ ቁጽሪ ሞት ካብ ውልደታት ብዝቐልጠፈ ክዓቢ እዩ። ቁጽሪ ደቂ 75 ዓመትን ልዕሊኡን ነበርቲ ኣብ መወዳእታ 2030፥ ብ 15,000፡ ኣብ 2040 ድማ ዳርጋ ብ 30,000 ክውስኽ ትጽቢት ይግበር። ብዝሒ ትሕቲ ዕድመ ትምህርቲ ዝርከቡ ህጻናት ብኣንጻሩ ልዕሊ 3,000 ጥራይ ክዓቢ እዩ። ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ዕድመ ትምህርቲ ዝርከቡ ህጻናት ድማ ኣብ መንጎ 2022ን 2030ን ዕቤት ከርኢ ዝብል ግምት የለን። “እቲ ኣገዳሲ ነገር ኣብ ገለ ከባቢታት ብዝሒ ህዝቢ ክጎድል ምዃኑ እዩ” ይብል እቲ ካብ ከተማ ሄልሲንኪ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ። 14 ኮሙናት ዝሓቖፈ ዞባ ሄልሲንኪ፡ ኣብ 2022–2040 ካብ 1.55 ሚልዮን ናብ 1.88 ሚልዮን ነበርቲ ክዓቢ እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com