Friday , May 10 2024

ፊንላንድ፥ ኣብ ውልቃዊ ኮድ መንነት ሓደስቲ ፊደላት ተተኣታቱ

“ኤጀንሲ ዲጂታላዊ ኣገልግሎትን ሓበሬታ ህዝብን ፊንላንድ” ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ስርዓት ውልቃዊ ኮድ መንነት ሓደስቲ ፊደላት ብምትእትታው ኣብ መጻኢ ኣብ ጠቕሚ ክውዕሉ ከም ዝኽእሉ ኣረጋጊጹ። እቲ ፊደል Y ዝሓዘ ፈላማይ ሓድሽ ኮድ መንነት ብ 19 ታሕሳስ 2023 ዝተዘርግሐ እዩ። እዚ እዋናዊ ሓበሬታ ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ኣብቲ ብሉይ ኣገባብ ንዝተወሰኑ ዕለታት ልደት ዝጸንሐ ድሩት ኮድ መንነት ምኽንያት ብምግባር ዝወጸ እዩ። እቶም ዘለዉ ናይ ኮዳት መንነት ከይተቐየሩ ክጸንሑ እዮም። ኣብቲ ብሉይ ሞዴል፡ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ልደት ውሱን ቁጽሪ ኮድ መንነት ስለዝነበሮ፡ ሕጽረት ዝበዝሑ ዕለታት ልደት ክህሉ ምኽያት ኮይኑ እዩ።  ኣብ ቀረባ እዋን ጥራይ፡ ነቲ ዝበዝሐ ዝውቱር ዕለት ልደት ዝኸውን ኮድ መንነት ብምውዳእና ኣብዚ ሰሙን ዚ ኣብ ትሕቲ እቲ ሓድሽ ስርዓት ናይ መጀመርታ ኮድ መንነት ከነውጽእ ተደሪኽና ኢና ይብል ላዕለዋይ ዳይረክተር ኤጀንሲ ኣገልግሎት ዲጂታልን ህዝባዊ ሓበሬታን ቲሞ ሳሎቫራ። እዚ ሓድሽ ፊደላት ኮድ መንነት ብመሰረት ክፍለ ዘመን ልደት እዩ ተሰሪዑ ዘሎ። ኣብ 2000 ወይ ድሕሪኡ ንዝተወልዱ: ናይ ሕጂ A ን ሓድሽ B ን, C, D, E, F ኣብ 1900ታት ንዝተወልዱ: ከምኡ ውን ሓድሽ Y, W, V, U ነቶም ኣብ 1800ታት ዝተወልዱ ኮይኑ ተዳልዩ’ሎ። እዚ ውልቃዊ ኮድ መንነት ካብ ስም ብዝልዕል ንውልቀሰባት ንምልላይ ዝያዳ ክሕግዝ እዩ ዝብል እምነት ተነቢርሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com