Tuesday , April 30 2024
(John Thys, Pool Photo via AP) VLM159

ፊንላንድ ኣብ ሩስያ ዘለዋ ናይ ጸዓት ተሞርካስነት ክትበትኮ ትድሊ።

ፊንላንድ ኣብ ሩስያ ዘለዋ ናይ ጸዓት ተሞርካስነት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክትኣልዮ መደብ ከም ዝለዋ ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር ሳና ማርቲን ምስ YLE A-ስቱድዮ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ገሊጻ።

“ኣብ ዝሓጸረ እዋን ነዚ ክንገብር መዲብና’ለና” ክትብል ኣብ ኣህጒር ኣውሮጳ ዘሎ ለውጢ ዝሓበረት ሳና “ኣብ ጀርመን ን ኖርድ ስትሪም 2 ዝምልከት ናይ ውሳነን ርእይቶን ለውጢ ምህላዉን ኣብ ፈሰስቲ ባህርያዊ ጋዛት ዘሎ ወፍሪ ብናህሪ ይቕጽል ምህላዉን” ወሲኻ ገሊጻ።

መንግስቲ ነቲ ብ መንግስቲ ሩስያ ዝውነን ኲባንያ ሪስታም ዝጀመሮን ኣብ ፈኖቮይማ ዝርከብን ፕሮጀክት ኑክሌራዊ ጸዓት ከተቋርጾ ምዃና ኣረጋጊጻ’ላ። ኣብ ፍቓድ ምሃብ ከምዚ ዝበሉ ፕሮጀክቲታት ሓላፍነት ዝወስድ ሚኒስተር ቊጠባዊ ጒዳያት ሚካ ሊንቲላ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዚ ፕሮጀክት ደጊም ብመንግስቲ ተቐባልነት ይህልዎ እዩ ዝብል ግምት ከም ዘይብሉ ገሊጹ ኔሩ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com