Friday , April 26 2024
Foto: Torstein Bøe / NTB

ፋርማሲታት ኖርዌይ፡ “ሰባት ብጌጋ ከኒናታት ኣዮዲን ይገዝኡ ኣለዉ”

ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ሃገርና ሰባት ናብ ፋርማሲታትና ይመጹና እዮም። ኣብ መንጎ ድሉው ዓይነት ኣዮዲንን ናይ ኣዮዲን ተወሰኽቲ ከኒናታትን ዘሎ ፍልልይ ኣይፈልጥዎን እዮም። ናይ ኑክሌር መጥቃዕቲ ምስ ዘጋጥም ሰባት ዘድልዮም ጻዕቂ ዘለዎ ባእታ ኣዮዲን እምበር እቲ ከም መግቢ ዝውሰድ ኣዮዲን ኣይኮነን” ክብል ኣካያዲ ርክባት ሰርስቲ ሶልበርግ ኦፍስታድ ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ።

ምናልባት ናይ ኑክሌር ሓደጋ ወይ ንዕኡ ዝመስል ምስ ዝወርድ ሰባት ኣብ ቤቶም ክሕዝዎ ዝግባኣ ጆዲክስ ዝተባህለን ነፍሲ ወከፍ ከኒናኡ 130 ሚሊግራም ዝምዘንን ጻዕቂ ዘለዎ ውሁድ እዩ። ኣብቲ ንቡር ከም መግቢ ዝውሰድ ኣዮዲን ግና እቲ ጻዕቂ 200 ማይክሮ ግራም እዩ ክብል እቲ በዓልመዚ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

ትሕቲ 40 ዝዕድሜኦም ሰባት፡ ነፍሰጾራት፡ ከምኡውን ዘጥብዋ ኣዴታት ናብ እዋን ሓደጋ ኑክሌር ን መንሽሮ ታይሮይድ ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ዝለዓለ ስለዝኾነ ኣብ ቤቶም እዚ ልክዕ ኣዮዲን ክህልዎም ከም ዝግባእ እንተኾነ ግና ብዘይ ምኽሪ በዓልሞያ ክውሰድ ከም ዘይብሉ ነቲ በዓልመዚ ብምጥቃስ ኖርዌይ ቱደይ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com