Friday , April 26 2024
Matthew Childs/TT

ፋብሪጋስ ናብ ክለብ ሞናኮ ተሰጋጊሩ!

ሰስ ፋብሪጋስ ምስ ብ ናይ ቅድም ኣብ ክለብ ኣርሰናል ወዲ ጋንትኡ ነብረ እትስልጥን ዘላ ክለብ ሞናኮ ተጸንቢሩ።ፋብሪጋስ ናብ ፈረንሳዊት ክለብ ሞናኮ ን ሰልስተ ዓመተ ዘጽንሖ ኩንትራት ብምፍራም ብ 10 ሚልዮን ፓውንድ ካብ ክለብ ቸልሲ ተፈንዩ።

እዚ ቑጽሪ 44 ማልያ ወድዩ ዝጻወት ፋብሪጋስ ካብ ክለብ ቸልሲ ኣብዝተፋነወሉ ንስለ ኣብረክትኡ ካብ ደገፍቲ ክለብ ቸልሲ ክብ ዝብለ ናይ ስነስርዓት መፈነዊ ተገይርሉ።

እዚ ስጳኛዊ ኣከፈፋሊ  ኣርባዕተ ዓመታት ምስ ቸልሲ ዝጸንሓለን ግዜያት 2 ዓወታት ፕሪመርሊግ ተወሲኽዎ 4 ዋናጩ ከልዕል ኪኢሉ እዩ። ብተወሳኺ ምስዛ ክለብ 198 ጸወታታት ብምኽያድ 22 ሸቶታት ብምምዝጋብ ብቕዓቱ ዘመስከረ ተጻዋታይ ብሙኻኑ ን ፈረንሳዊት ክለብ ሞናኮ ካብቲ ዘላቶ ትሑት ደረጃ ንኽትወጽእ ዘለዎ ኣብርኽቶ ዓቢ ክብሉ ደገፍቲ እዛ ጋንታ ይገልጹ።

ሰስ ፋብሪጋስ ናይ ፕሮፈሽናል ጸወትኡ ምስ ክለብ ኣርሰናል ብምጅማር ምስ ክለብ ባርሶሎናን ሃገራዊት ጋንታ እስጳኛ ዝነበሮ ኣብርክቶ ኩሉ ዝፈልጦ ኮይኑ ኣብ ክለብ ሞናኮ እውን ዓቢ ግዴ  ከምዝህልዎ ኣይጠራጠርን ይብል ኣስልጣኒ ክለብ ሞንኮ ቴር ሄንሪ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com