Saturday , April 27 2024

ፍርቂ ብዝሒ ግዳያት ኮቪድ፡ ብጅር ኦሚክሮን ዝተለኽፉ ክኾኑ እዮም

ኣብ ዉሽጢ እዘን ዝመጻ ሒደት ኣዋርሕ፡ ሓድሽ ጅር ኦሚክሮን፡ ንልዕሊ ፍርቂ ብዝሒ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝረአ መልከፍቲ ኮቪድ-19፡ ጠንቂ ክኸውን ከምዝኽእል ኤውሮጳዊ ተቆጻጻሪ ተመሓላለፍቲ ሕማማት (ECDC) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ፡፡

ብመሰረት ECDC፡ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ኣሃዛዊ ሞዴል ዝተሞርኮሰ ምዃኑ ወኪል ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ፡፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብዝሒ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝርከቡ ሓደስቲ ግዳያት መልከፍቲ ኮቪድ-19፡ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ይርከብ፡፡

ECDC ዘውጸኦ ናይቀረባ ግዜ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ዝኸፍአ ኩነታት ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ኣብ ስሎቫኪያ ዘሎ ኩነታት እዩ፡፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ሰምንታት ጥራይ ካብ 100,000 ተቐማጦ፡ እቶም 2534፡ ግዳያት እቲ ሕማም ኮይኖም ተረኺቦም፡፡ ስዒበን ዝስራዓ ሃገራት ድማ፡ ቼክ ሪፖፕሊክ ብ 2,205 ከምኡ ውን ቤልጁም ብ 2,064 ሓደስቲ ግዳያት ብምምዝጋብ ተሰሪዐን ኣለዋ፡፡

በልጅም፡ ተወሰኽቲ ቀይድታት ንምግባር ንዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ ፍሉይ ኣኼባ ክትገብር ትጽቢት ይግበረላ፡ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ቀረባ እዋን  ዝተገብረ ምጽናዕ ቀይድታት ሓደ ሰሙን ጥራይ ጸኒሑ ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ይግለጽ፡፡

ዋላ ኳ ሽወደን ኣብ ምስፍሕፋሕ ለበዳ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዉሽጢ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝርከባ ታሕተዎት ሃገራት እንተኾነት፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ሳምንታት፡ ካብ 100,000 ተቐማጦ 185 ሓደስቲ ግዳያት ጥራይ ዝተለኽፉ ከምዘለዉን፡ ምስ ዝሓለፈ ሰሙን ክነጻጸር እንከሎ ላዑል ወሰኽ ከም ዘርኣየ `ዩ ተጸብጺቡ፡፡ ካብ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ እታ ዝወሓደ ኣሃዝ ዘለዋ ሩሜንያ ኮይና፥ 165 ሓደስቲ ግዳያት ጥራይ ካኣ ኣለዉዋ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com