Friday , April 26 2024

ሕማም ፍሮማይ እንታይ እዩ ?


ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ቆልዓ ኣብ ሂወቱ ፍሮማይ ሓደ ግዜ ይሕዞ ኢዩ።  በዚ ሕማም ዝተጠቕዐ ህጻን ነጠብጣብ፡ ማይ ዝሙዓገ ቁስሊን ቅርፍራፍን ኣብ ምሉእ ኣካላቱ ይህልዎ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣፉ ኮነ ኣብ መንጎ ጸጉሩ።  ቀልጢፉ ከሕውየልና ዝኽእል መድሃኒት ክሳብ ሕጂ የብሉን ሰሓ ከጉድል ዝኽእለ መድሃኒት ግን ክንጥቀም ይከኣል ኢዩ።

ሕማም ፍሮማይ ምስ ዝሕዝ ?

• ውላድና ናብ ቤት ትምህርቲ ኮነ መውዓሊ ህጻናት ክኸይድ ጸገም የብሉን 
• እዚ ሕማም’ዚ ባዕሉ ምስ ግዜ ይሓዊ
• ህጻን ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ይመሓየሽ
ፍሮማይ ዝሓዞ ህጻን ብኸመይ ከነለልዩ ይከኣል፧
• መጀመርያ እቲ ህጻን ጉንፋዕ ይሓምም
• ረስኒ፡ ምድካም ሓይሊ ወይ ውን ኣዝዩ ይጽልኦ። ሓደ ሓደ ግዜ እዞም ምልክታት ቅድሚ ፍሮማይ ምውጽኡ ክመጹ ይኽእሉ ኢዮም። 
• ነጠብጣብ፡ ማይ ዝሙዓገ ቁስሊን ቅርፍራፍን ኣብ ምሉእ ኣካላቱ ይህልዎ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣፉ ኮነ ኣብ መንጎ ጸጉሩን ከበሮ ዓይኒን። 
• ሰሓ ኣብ ቆርበትና 
• እቲ ማይ ሞዒጉ ዝነበር ቆርበት ይነቅጽን ይቀራረፍን 
• እቲ ቅርፍራፍ ድሕሪ 10 መዓልቲ ይጠፍእ
ሓደ ህጻን ብኸመይ ፍሮማይ ይሕዞ፧
• ጠንቂ ሕማም ፍሮማይ ቫይረስ ኢዩ
• ፍሮማይ ኣዝዩ ተላጋባይ/ተላባዓይ ኢዩ። ሓደ በዚ ሕማም ዝተጠቕዐ ሰብ ብቐሊሉ ክልግበልካ/ከመሓላልፈልካ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት ብሰዓል፡ ዘረባን ምትንኻፍን። 
ምኽርታት ንብፍሮማይ ዝተጠቕዑ ህጻናንት፧
• ጽፍሪ ብግቡእ ይቑረጽን ይጸርን። ከምኡ’ውን ቆለዓ ነቲ ቁስሊ ከይሓኮ ምክልኻል። እንተደኣተሓኺኹ ሰሓ መሊሱ ይገድድ፡ ክረክስ ይኽእል ከምኡ’ውን በሰላ ይገድፍ። 
• ደው ኢሉ ኮነ ኣብ መሕጸቢ ሰውነት ባስካ ኣትዩ ሰውነቱ ክሕጸብ ይኽእል
• ኣብ ከባቢ ኣፍ ዝርከቡ ቁስልታት ቃንዛ ምስዝገብሩ ዝሑል ማይ ወይ ውን ዝሑል ልስሉስ መስተ ብምሃብ ንግዚኡ ከነቓልሎ ይከኣል ኢዩ። 
• ቆልዓ ጽቡቕ ምስዝስምዖ ናብ ቤት ትምህርቲ ኮነ መውዓሊ ህጻናት ክኸይድ ይኽእል ኢዩ። ምሳኻ ብነፋሪት ክሳፈር ምስእትደልዮ ነቲ መንገዲ ኣየር ናይታ ትሳፈረላ ነፋሪት ሕግታት ምሕታት። 
መድሃኒት ጸረ ፍሮማይ ንህጻናት
ክሳብ ሕጂ ንፍሮማይ ከሐዊ ዝኽእል መድሃኒት የለን። ነቲ ሰሓ ንምጉዳልን ነቶም ማይ ዝሙዓጉ ሕበጣት ንምንቃጽን ግን ዝልከ መድሃኒት ክንጥቀም ይከኣል ኢዩ። እዚ መድሃኒት’ዚ ኣብ ፋርማሲ ኮነ ኣብ ካልእ ድኳናት ከም በዓል ክራውድቫት፣ ትረክፕላይስተርን ኤቶስን ብዘይ ቅብሊት ክንገዝኦ ይከኣል ኢዩ። 
መዓስ ኢና ንፍሮማይ ሓገዝ ንሓትት፧
ሓፈሻዊ ፍሮማይ ንዝሓዞ ቆልዓ ናብ ሓኪም ሒዝናዮ ምኻድ ኣየድልየናን ኢዩ። እዞም ዝስዕቡ ምስ ዝኸውን ግን ናብ ሓኪምና ክንድውል ይግበኣና 
• ሓሚሙ ዘሎ ህጻን ካብ 3 ወርሒ ዝንእስ ምስዝኸውን 
• ፍሮማይ ድዩ ኣይኮነን ምስ ዘጠራጥረና 
• እቲ ቆላዓ እንዳበርትዖ ምስዝኸይድ፡ ንኣብነት 
o ውሑድ ምስ ዝሰቲ ወይ ጠቕሊሉ ምስታይ ምስዝኣብየና 
o ቀጻሊ ተምላስ
o ንጡፍ ምስዘይከውን/ብዕጉግ
o ሕጽረት ትንፋስ ወይ ውን ኣተናፍስኡ ኣዝዩ ቅልጡፍ ምስዝኸውን
o ቀጻሊ ብኽያት ወይ እህህታ
o ሕብርይ ቆርበቱ ምስዝቕየር ንኣብነት ሓሙኽሽታይ ምስዝኸውን 
o ረስኒ ገዲፍዎ ቀንዩ እንደገና ምስዝምለሶ

ምንጪ፥  Eritreeërs Gezond


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com