Wednesday , May 1 2024
Photo via AP) XAZ162

ፑቲን፥ “ንሕና ኲናት ኣይንደልን ኢና”።

መራሕቲ ጀርመንን ሩስያን ኣብ ሞስኮ ተራኺቦም ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ቅልውላው ዩክሬይን ዝዓበየ ኣጀንዳኦም ምንባሩን ተገሊጹ። ኣብቲ ርክብ ጒዳይ ቅልውላው ጸጥታ ኣውሮጳ ብዘተ ክፍታሕ ድሌት ከም ዘለዎ ፕረሲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ገሊጹ’ሎ። ቻንስለር ጀርመን ብወገኑ “ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ጒዳይ ብዘተ ምፍታሕ ክንክእል ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ” ድሕሪ ምህላጽ ምስ መራሒ ሩስያ ገጽ ንገጽ ተራኺቡ ኣብዚ ኣገዳሲ ጒዳይ ምዝታዩ ዝተሰምዖ ሓጎስ ገሊጹ’ሎ። ክልቲኦም መራሕቲ ድሕሪዚ ልዝብ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መገለጺ ሾልዝ “ኣውሮጳ ዳግማይ ናብ ኣህላቒ ኲናት ንኸይትኣቱ ኣድላዪ ጻዕሪ ክንገብር ይግባኣና እዩ” ኢሉ። “ጀርመን ሓንቲ ካብ ዓበይቲ መሻርኽቲ ሩስያ እያ፥ ድሕሪ ቻይና ዝዓበየት ናይ ንግድ መሻርኽቲ ሩስያ ጀርምን እያ” ዝበለ ፑቲን ብወገኑ “ክልቲኣተን ሃገራት ብሓባር ክሰርሓን ነዚ ናይ ልዝብ ጻዕርታት ክደፍኣሉ ኢና፥ ንሕና ኲናት ኣይንደልን ኢና” ክብል ኣብሪሁ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com