Monday , April 29 2024
Pakistani security personnel and rescuers inspect the scene of a gas explosion in Karachi, Pakistan (AP Photo/Fareed Khan) XRG105

ፓኪስታን: ኣብ ባንክ ብዘጋጠመ ምፍንጃር: 14 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ደቡባዊ ፓኪስታን ኣብ እትርከብ ከተማ ካራቺ: ኣብ ሓደ ባንክ ብዘጋጠመ ምፍንጃር: ብውሕዱ 14 ሰባት ከም ዝሞቱ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊጾም።

ብሰንኪ ካብ ፈሳሲ ጒሓፍ ዝለሓዀ ጋዝ ዘጋጠመ እዚ ምፍንጃር: ብርክት ዝበሉ ካልኦት መቚሰልቲ ኣጋጢምዎ ኣሎ። ብሰንኪ እቲ ምፍንጃር ዘስዓቦ ምፍራስ ህንጻ ብዙሓት ሰባት ብፍርስራስ ተጸቒጦም ምንባሮም መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ከባቢ ሓቢብ ባንክ ዝነበሩ መሳዂቲን መዓጹን ከምኡን ተሽከርከርቲ ከም ዝዓነዉ ካብቲ ቦታ እተረኽቡ ስእልታት ኣመልኪቶም ኣለዉ።

ጒጅለ ሃንደሳና ናብቲ ቦታ ብምቕናዕ ባህሪ ናይዚ ምፍንጃር የጽንዑ ኣለዉ፥ ክሳብ ሕጂ ብዘሎና መረዳእታ ምኽንያት: እዚ ምፍንጃር ካብ ቱቦ ዝለሓዀ ጋዝ እዩ ዝብል እዩ” ክብል በዓልመዚ ፖሊስ: ሳርፋራዝ ናዋዝ: ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ።

ንሱ: ንስድራቤት ግዳያት: ጽንዓት ይሃብኩም ክብል መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com