Friday , April 26 2024
Tunisian President Kaïs Saïed strengthens his power over the country.(Slim Abid/Tunisian Presidency via AP, File) TUN101

ፕረዚደንት ቱኒዝያ: ስልጣኑ የደልድል

ፕረሲደንት ቱኒዝያ ቃኢስ ስዒድ ንባይቶ እታ ሃገር ካብ ዝቆጻጸር ክልተ ወርሑ መሊኡ ኣብ ዘለወሉ እዋን ነታ ሃገር ብምልኪ ምምሕዳር ከም እተተሓሓዞ ተገሊጹ።

ዝበዝሐ ፈጻሚ ኣካል እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ባይቶ ምጽንሑ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ፕረሲደንት ስዒድ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ከም ዝበተኖን ብርክት ዝበሉ ሚኒስተራት ምስጓጒን ወሲኹ ኣመልኪቱ። ብቕድሚ ትማሊ ብዝሓለፈ ፕረሲደንታዊ ትእዛዝ ቅዋማዊ ምፍልላይ ስልጣን ከም ዝጸደቐን በዚ ድማ ዝበዝሐ ስልጣን ናብ ፕረሲደንት ከም ዝዛዙ ዝገብር ኲነታት ከም እተመቻችአን እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

“ሕጊታት ብመልክዕ ኣዋጅ ብፕረሲደንት ክመሓላለፍ እዩ” ክብል ሓደ ዓንቀጽ ከም ዝድንግግ ድማ ተቓሊዑ።

እቲ ሰነድ ሕጊ “ብርእሰ መንግስቲ ኣቢሉ ብዝምራሕ ቆንስል ሚኒስተራት ፕረሲደንት እታ ሃገር ፈጻሚ ስልጣን ይህልዎ” ዝብል ተወሳኺ ዓንቀጽ ኣለዎ። በዚ ድማ እቲ ፕረሲደንት ን ቆንስል ሚኒስተራት ከመርሕ፥ መን ከመሓድር ከም ዘለዎ ከም ከኣ ክመርጽን ስልጣን ከም ዘለዎ የነጽር።

ስዒድ በዚ ተግባሩ ካብታ ኣብ ባይቶ ዝበዝሑ ኣባላት ዘለዉዋ እስላማዊ ሰልፊ ኣንናህዳ ጀሚርካ ሰፊሕ ነቐፌታ ይዘንቦ ምህላዉ ተፈሊጡ’ሎ። እታ ሰልፊ ነዚ ተግባር ዕልዋ መንግስቲ እዩ ድሕሪ ምባል ደገፍታ ተቓውሞኦም ብሰልፊ ክገልጹ ጸዊዓ’ላ።

እንተኾነ ግና ስዒድ ነቲ ብሰውራ ኣቢሉ ኣብ 2011 ዝጸደቐ ቅዋም እናተኸተለ ይመርሕ ምህላዉን እታ ሃገር ጸጥታዊ ሽግራት እንተጋጢምዋ ፍሉይ ስጒምቲ ክወስድ እቲ ቅዋም ከም ዝፈቕደሉን እዩ ዝገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com