Saturday , April 27 2024
Jessica Gow//TT

ፕረዚደንት ፈደሬሽን ምሕምባስ ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ትወርድ።

ፕረዚደንት ፈደሬሽን ምሕምባስ ሓንቲ ኣካላታ ዝሽፍን ልባስ መሐንበሲ ንእተኸድነት ጓል ብምንቃፉ ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ትወርድ።

ሓላፊት ፈደሬሽን ምሕንባስ Gustavsson ንሓንቲ ምሉእ ኣካላታ ዝሽፍን ልባስ መሕንበሲ እተኸድነት ሙስሊም ጓል ድሕሪ ምዝላፋ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ብዝወረዳ ነቐፌታ ብፍቃዳ ስልጣና ትሓድግ።

ንሱ ስደተኛታት ኣዋልድ ክሕንብሳ እንተደልየን ሕጃበን ከውጽኣ ይግብአን ክትብል ምስ Aftonbladet ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ገሊጻ ።

ቦርድ ፈደሬሽን ግና ኣካያዲ ንዂሎም ሰባትን ኣረኣእያታትን ብማዕረ ክርኢ ከምዝግባእ ብምምልካት ነዚ ኣባህላ ነጺግዎ’ሎ።

ቦርድ ፈደሬሽን ነቲ ጉስታቭሶን ዘቕረበቶ ስልጣን ናይ ምልቃቕ ሕቶ ከም እተቐበሎ’ውን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com