Tuesday , April 30 2024

ፕሮሶሰይ— ሓቀኛ ዛንታ

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘንበብናዩ፡ ታሪኽ ናይታ ጌና ኣብ ዘይተዛዘመ ጉዕዞ ዘላ መንእሰይ ሄለን ብምንባብ፡ ብርክት ዝበልኲም ሰባት ንምሕጋዛ ተበግሶ ወሲድኲም ክንረኽባ ብምባል ዝደገፍኲማ ምስጋናይ እናገለጽኲ፡ ንሎሚ ድማ ሓንቲ ሜሪ እትብሃል መንእሰይ ብወገና፡ ህሉው ኲነታተይ መንእሰያት ክምህር ይኽእል’ዩ ብምባል፡ ብውልቃ ንዝሰደደትለይ መሃሪ ጽሑፍ ናባክም የብሎ።

ኣቱም ሰባት እንታይ ኢና ኮይና? ኣኺሉና ድዩ መፍትሒ ኲሉ ነገር ስደት ጥራይ ገይርናዮ? ካልእ መጻኢ የብልናን ድዩ? ዕድሜና’ኸ ኣኺልዎ ኣብ ከርተትን ሰንፈላልን ዲና ከነሕልፎ? ካልእ ኣማራጺ ህይወት’ከ የለን ድዩ? እዚ ኲሉ ክምልስ ዓቕሚ ስለ ዘይብለይ፡ ናብቶም ዓቕሚ ዘለዎም ኣስጊረዮ ኣለዂ። ብዝኾነ ሜሪ ተወልደ’የ ዝብሃል፡ ካልእ ዝብለኲም የብለይን፡ ንሳ እዛ ስመይ ጥራይ ትኣኽለኲም፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ሃገረ ግሪኽ ሳሞስ ኣብ ዝብሃል ካምፕ’የ ዘለዂ፡ እዚ ካምፕ ደሴት ኮይኑ፡ ጉዳይካ ከይወዳእካ ኣይትወጻሉን ኢኻ፡ በዚ ምክንያት ክሳብ ሕጂ ሰለስተ ዓመት ገይረ ዘለዂ፡ ስለምንታይ እዚ ዂሉ ምዝራብ ኣድለየ ትብሉ ትህልዉ፡ ካባይ ገለ ክትምሃሩ ስለ ዝደለዂ እየ እምበር ካልእ ኣይኮነን። እስከ በሉ ስዓቡኒ ገለ ዝብሎ ኣለኒ—።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ገሊጸዮ ዘለኹ፡ ስመይ ሜሪ ተወለደ ይብሃል፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ጓል 38 ዓመት መንእሰይ’የ፡ ልክዕ ንምዃን ቅድሚ ሰለሰተ ዓመት፡ ጽቡቅ ናብራ’ዩ ነይሩኒ፡ ካብ ኣስመራ ናብ ዱባይ፡ ካብ ዱባይ ናብ ኣስመራ እናተመላለስኲ ጽቡቅ ህይወት’የ ዝመርሕ ነይረ። ካብ ኣስመራ ሽሮ በርበረ እንጀራ ሒዘ ይኸይድ፡ ካብ ዱባይ ድማ ኣቁሑት ገዛ ሒዘ ብምምጻእ ካብን ናብን እናሸጥኲ ጽቡቅ ህይወት’የ ዝመርሕ ነይረ። ገዛይ ይሕግዝ ነብሰይ ድማ ብዝግባእ ይምረሕ፡ ብዙሕ’ኳ ኣይዂን እምበር፡ ገለ ዝረኽቦ ዝነበርኲ ውሑድ ትርፊ ገንዘብ ድማ ንመጻኢ ዝኾነኒ ገንዘብ የቅምጥን ነበርኲ። ብሓፈሻ ህይወተይ ዝተጋነነ’ኳ ኣይዂን እምበር፡ ድሓን ዝኾነ ህይወትስ ይመርሕ ነይረ’የ። ኣሕጽር ኣቢለ ዝነግረኲም ዘለዂ ምኽንያት ኣለኒ፡ ወይ’ውን ታሪኸይ ካብ ፈለማ ዘይነግረኲም ዘለዂ፡ ቅድሚኡ ዝጠቕም ዛንታ ኣይነበረንን፡ እቲ መሃሪ ዝበልክዎ ዛንታይ ዝጅምር፡ ካብ ዓመተ 2017 እዩ—።

ኣብዚ እዋን ዕድመይ 35 ዓመት’ዩ ነይሩ። እዚ ዕድመ ድማ ተመርዕየ ሓዳር ዝገብረሉን፡ ቖልዑ ዝወልደሉን እምበር፡ ከልበትበት ዝብለሉ እዋን ከምዘይኮነ ዝይዳ ይርድኣኒ። ኣነ ግና ኣእምሮ ግዲ ኣርሒቑ ዘይሓሰበ፡ ናብ ጸድፊ’የ ዘሊለ፡ ዘሊልካ መዕለቢኻ ኣብዘይፍለጦ።

ብዝኾነ ካብ ዱባይ ናብ ኣስመራ እናተመላለስኲ ንጥፈታት ንግዲ የካይድ ኣብ ዝነበርኲሉ እዋን፡ እዚ ኣብ 2016 ምዃኑ’ዩ፡ ኣብዚ ዕድመይ ልክዕ ንምዃን ጓል 34 ዓመት’የ ነይረ። ምስ ሓደ ሰመረ ዝብሃል ሰብ ብምልላይ ፍቕራዊ ህይወት ክንመርሕ ጀሚርና። ሰመረ ኣብ ከባቢ ማእከል ከተማ(ኣስመራ) ናይ ኤሊክትሮኒክ መሳርሒ ሙዚቃን ትካል ስለ ዝነበሮ፡ ንዓይ ቀንዲ ዓሚለይ’ዩ፡ ዝመጻኽዎ ኣቑሑት ድማ፡ ናብኡ እናኸድኲ’የ ዝሸጦ ነይረ፡ ሌላና ድማ ካብ’ዚ እዩ ዝብገስ።

ሓደ ኢሉ ዝጀመረ ሌላና፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናዓሞቐ ብምኻዱ፡ ኣብ ተሪር ፍቅሪ ክንወድቅ ብምጅማርና፡ ብወገን ሰመረ ናይ መርዓ ሕቶ ቀረበለይ፡ ዕድመ ጓል ኣንስተይቲ ከም ንፋስ ዝውንጨፍ ብምዃኑ፡ ንዕድመይ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንሕታኡ ብዘይ ሰጋእ መጋእ’የ ተቀቢለዮ፡ ሓዳር ገይረ ውላደይ ክስዕም ኲትር ባህጊ’ዩ ነይሩኒ፡ እሞ ድማ ምስ ሰመረ—።

ሰመረ፡ ኣብ ፈለማ ኣርባዓታት ዕድመ ዝርከብ ጻዕራም መንእሰይ’ዩ፡ መኽበሪ ሰብን ስርሑን ድማ፡ ዝገርም ነገር ካብ ዜሮ ተበጊሱ’ዩ ናቱ ትካል ክውንን በቂዑ። ንመስተን ሽጋራን ዝኸውን ግዜ ዘይብሉ፡ ወትሩ ኣብ ስራሕን ጻዕርን ዝርከብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጠባዩ’ውን ደስ ክብለካ መዓት’ዩ። ብሓጺሩ ኢንታ ዘይተውጻሉ ኣብነታዊ መንእሰይ’የ። ምስዚ ዓይነት ሰብ ሓዳር ምግባር ድማ፡ ንዓይ እቲ ዝበለጸ ጸጋ`ዩ፡ ግን ድማ ኣይኮነነን፡ ዕድለይን ዕድመይ ዝወሰደ ሕማቅ ኣጋጣሚ ክትል ኢሉኒ።

ሓደ ሰብ ብርእሱን ኣታሓሳስብኡን እንተዘይከይዱ፡ እቲ ዝዓበየ ጸገም’ዩ። ኣነ ድማ ብኣታሓሳስባይ ስለ ዘይለድኲ፡ ኣብ ታኼላ ጸገም ተጸጊዔ እነዂ ላንጋ ላንጋ ህይወት ይመርሕ ኣለኹ። እቲ ግናይ ዛንታ ካብዚ’ዩ ዝጅምር—። ኲሉ ሰብ ክምሃረሉ ኣለዎ ኢለ ብምውሳን’የ ድማ ክጽሕፎ ዝጅምር ዘለዂ።

ምስ ሰመረ ዝተሰማማዕናዮ፡ ናይ ሓዳር መደባት ንምትግባር ኣብ መስርሕ ከለና፡ ሓንቲ ልክዕ ከም ከማይ ነጋዲት፡ ካብ ኤርትራ ናብ ቱርኪ እትመላለስ፡ ደጋጊማ ሓደ ንመጻእየይ ዝጸልምት ሓሳባት እናምጽአት ደጋጊማ ትልምነኒ፡ ልክዕ ንምዃን ኣርሴማ’ዩ ስማ።

ኣርሴማ፡ ”ብመንገዲ ቱርኪ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ብምእታው ብሉጽ ህይወት ክንመርሕ ኢና” ብምባል ደጋጊማ ክትልምመኒ ትጅምር፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዕዞ ጥልቅ ዝበለ ኣፍልጦ ዘለዋ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ ነይሩ። ደጋጊማ ናይ ኤውሮጳ ጽባቐ ምስ ነገረትኒ፡ ኣታሓሳስባይ ክቅየርን፡ ናይ ኤውሮጳ ገነት ክርኣየንን ጀሚሩ፡ ምስ ሰመረ ዝነበረኒ ፍቅሪ ክሃስስን፡ ናይ ሓዳር መደበይ ክበታተኽን ጀመረ። ብሉጽ ፍቅሪ ሰመረ ተረሲዑ፡ ምስ መሓዛይ ሕቱኽቱኽ ተጀመረ። ኣብ ህይወተይ ድማ እቲ ዝኸፍአን ዘሰንብድን ታሪኽ፡ ካብዛ ግዜ ክጅምር ብዓይነይ ተዓዘብክዎ፡ ኣሰንባዲ ታሪኸይ ድማ ካብዚ እዪ ዝጅምር—።

ካልኣይ ክፋል ይቅጽል—


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com