Tuesday , April 30 2024
Anders Björkman, Magnus Gisslén and Johnny Ludvigsson want the restrictions on, for example, sports to be lifted.

ፕሮፌሰራት . . . ድሕሪ ደጊም፡ ኮቪድ ንዓለምና፡ ሓደጋ ኣይክኾናን እዩ ክብሉ ገሊጾም

ሽሕ’ኳ እቲ ኦሚክሮን ተባሂሉ ዝፍለጥ ጅር፡ ከም ባርዕ ሓዊ ተላባዒ እንተኾነ፡ ኮቪድ-19 ግና ድሕሪ ደጊም ንማሕበረሰብ ዓለም ከም ሓደገኛ ሕማም ክቑጸር ኣይክእልን እዩ ክብሉ ኣንደሽ ብዮርክማን፣ ማግኑስ ጂስሌንን ጆኒ ሉድቪሶን ዝተባህሉ ፕሮፌሰራት ኣብቲ ናይ dn’s debate page ዝባሃል ገጽ ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዞም ፕሮፌሰራት፡ ኣብ ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ስነ-ሕክምና ቆልዑን ዝነጥፉ ክኢላታት ኮይኖም፡ ኣብ ፈለማ እዋን ናይ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ሓደገኛ እዩ ዝብል ሓሳብ ክህሉ ግቡእ እኳ እንተነበረ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ ሓደገኝነቱ ኣብቂዑ እዩ ክብሉ ሓሳባቶም ገሊጾም። ንሶም ከም ዝብልዎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ብዙሕ ሰብ ኣንጻር እቲ ቫይረስ ልዑል ዝኾነ ናይ ተጻዋርነት ዓቕሚ እንዳጥረየ ስለዝመጸ፡ ኣዝዩ ትሒት ዝኾነ ቑጽሪ ጥራሕ እዩ በዚ ሕማም ተለኺፉ ብጽኑዕ ዝሓምም ዘሎ።

 “ኣንጻር መልከፍቲ ዘቕነዐ ምሒር ስምዒታዊ ዝኾነ ስጉምታት ምትእትታው ነቲ ማሕበራዊ ናብራ ኣብ ምዝንባዕን ካብቲ መልከፍቲ ናይቲ ቫይረስ ዘስዓቦ ጉድኣት ብዝበኣሰ መልክዕ እዚ ኣሰራርሓ ንባዕሉ ኣዝዩ ሓደገኛ ናይ ምዃን ዕድል ስለዘለዎ፡ ነቲ ኣንጻር እቲ ዝባሃል ዘሎ መልከፍቲ ዝኸውን ለውጢ ክህልው ኣይክእልን እዩ” ክብሉ ኣብቲ ጽሑፍ ገሊጾም።

ኣብ ልዕሊ በቲ ቫይረስ ዘይተለኽፉ ኣዝማድ ዝትግበር ናይ ውሸባ መሰርሕ ኮምኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ንጥፈታት እገዳታት ምትእትታው ከቋርጽ፡ እንተዋሓደ ካብ ቤት መግቢታትን ድኳናትን እገዳታት ክለዓሉ ከምዝግባእ እቶም ፕሮፌሰራት እምነቶም ዝገልጹ።

ኣብ ክንዲ’ዚ፡ እቲ ናይ ትኹረት ኣንፈት፡ ክታበታት ብሰፊሑ ኣብ ምክያድን ነቲ ምስፍሕፋሕ ናይ መልከፍቲ ድማ ካብ ሓለዋ ጥዕናታትን ክንክንን ንኸይሓልፍ ኣብ ምግባርን ዘነጻጸረ እንተዝኸውን ይምረጽ። ብተወሳኺ ድማ እዞም ፕሮፌሰራት፡ ውልቀ-ሰባት ሓላፍነት ወሲዶም፡ ርሕቀቶም ክሕልዉን ናይ ምትንኻፍ ዕድላት ኣብ ምንካይ ኣተኩሮ እንተዝገብሩ ዝሐሸ ከምዝኾነ ይመኽሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com