Thursday , May 9 2024

ፖለቲከኛታት ሽወደን ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ብ ኣብልከሽን ክከታተልዎ ይደልዩ።

ሚኒስተር ዲጂታላይዜሽን ናይ ቴሌፎን ምክትታል ክግበር ከም ዝድግፍ የፍልጥ። ፖለቲከኛታት ሽወደን ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ብሞባይል ብዝርከብ ዳታ ጌሮም ክከታተልዎ ከም ዝደልዩ ኣፍሊጦም ኣለዉ። ንኣብነት እቲ ንይ ሞባይል ዳታ ክንደይ ሰባት ካብ ሽወደን ናብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ብምኽንያት ፋስጋ ወጺኦም ንምክትታል ክሕግዝ ይኽእል እዩ።፡

ኣውሮጳዊ ኮሚሽን ነዚ ጒዳይ ኣመልኪቱ ምስ ሸሞንተ ኦፐሬተራት ሞባይል ይዘራረብ ምህላዉን መንግስቲ ሽወደን ገና ብዛዕባዚ ኲነታት ከም ዘይተሓበረን ኣመልኪቱ። እዚ ኣገባብ ዝርግሐ ቫይረስ ኮሮና ንምቊጽጻር ኣገዳሲ እዩ ድማ ኢሉ።፡ ኣክቲቪስት መስራቲ ፓይሬይ በይ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታን ፒተር ሱንደ ግና ኣብዚ ተቓውሞ ምስምዑ ን እዚ ካብቲ ቫይረስ ዝኸፍእ ሳዕቤን ከምጽኣልና ይኽእል እዩ ምባሉን ተገሊጹ’ሎ።

ምንጪ፣ https://sverigesradio.se/artikel/7440904


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com