Sunday , April 28 2024

ፖሊስ፡ ናይ መጠንቀቕታ ቶኽሲ ከፊቱ

ትማሊ ሰንበት ምሸት፡ ኣብ ምምሕዳር ትለቦሪ (Trelleborg)፡ ኦልስታድ (Alstad)፡ ዝርከብ ኑቕጣ ጥሒሱ ንዝኸደ መራሕ መኪና፡ ፖሊስ፡ ናይ መጠንቀቕታ ቶኽሲ ካብ ናይ ኣገልግሎት ብረቱ ከምዝቶከሰ ተፈሊጡ።
ኣብ ሓለዋ ዝነበረ ፖሊስ፡ ነታ መኪና ንምፍታሽ ንመራሕ መኪና ደው ከብላ ምስ ሓበሮ፡ እቲ መራሕ መኪና ንቅድሚት ከምተሓምበበን፡ ፖሊስ፡ ነታ መኪና ተኸቲሎም ድሕሪ ምኻድ ኣብ ኦልስታድ ደው ከምዝበለት ርእይዋ። እቶም ኣባላት ፖሊስ፡ ነቲ ሰብኣይ ንኽፍትሹ ምስ ቀረብዎ፡ ምጉርፋጥ ስለዝተላዕለ፡ ሓደ ካብቶም ፖሊስ ናይ መጠንቀቕታ ቶኽሲ ክትኩስ ከምተገደደ ወሃብ ቃል ፖሊስ ደቡባዊ ኣከባቢ፡ ጂሚ ሞዲን፡ ን TT ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ መንጎ ፖሊስን እቲ መራሕ መኪና ዘጋጠመ ምጉርፋጥ ብዝርዝር ክፍለጥ ኣይተኻእለን። ድሒሩ ግን፡ እቲ መራሕ መኪና፡ ንመርመራ ብፖሊስ ተሰንዩ ከምዝኸደ ተፈሊጡ። እቲ መራሕ መኪና፡ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ናይ ዕጸ-ፋርስ እንከሎ መኪና ይመርሕ ከምዝነበረ ጥርጣሬታት ኣሎ ክብል፡ ፖሊስ፡ ሓቢሩ።
ሓደ ፖሊስ፡ እቲ ዝተዋህቦ ናይ ኣገልግሎት ብረት ምስ ዝጥቀመሉ፡ ከምቲ ልሙድ፡ ብቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ መርመራ ክካየድ ምዃኑ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com