Saturday , April 27 2024
A woman in Spain is testing herself for COVID-19. The image is not related to the event in the article. (AP Photo/Joan Mateu) MF132

ፖሊስ ስጳኛ፡ ኣብ ሃድን ሆላንዳውያን ሉኩፋት ኮሮና

ሰብ ስልጣን ስጳኛ፡ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ፡ ብሕማም ኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሆላንዳውያን ጉጅለ በጻሕቲ ንምርካብ ይፍትን ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ዓለምለኻዊ ናይ ጥዕና መጠንቐቕታ ኣመሓላሊፎም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቶም በጻሕቲ፡ ብዝተገብረሎም ናይ ኮቪድ መርመራ፡ ተሰከፍምቲ ኮቪድ-19 ኮይኖም ስለዝተረክቡ፡ ን 10 ማዓልታት ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ክፋል ስጳኛ፡ ዞባ ኤክስትረማዱራ፡  ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆቴል ክውሸቡ ተሓቢሮም ምንባሮም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር፡ ሸውዓተ ካብቶም ትሽዓተ በጻሕቲ፡ ካብቲ ሆቴል ከም ዝሃደሙ ወሃቢት ቃል ሚኒስትሪ ጥዕና እቲ ዞባ፡ ሓቢራ።

እቶም በጻሕቲ፡ ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ኣብ ኤክስትረማዱራ ኣብ ጉዕዞ እንከለው፡ ገለ ካብኣቶም ሕማም ስለ ዝተሰመዖም ኣብ ናቫል ደል ማድሮና ክጸንሑ ወሲኖም፡ ኣብኡ ከኣ ብኮሮና ከም ዝተለክፉ ተፈሊጡ።

ብመስረት ወሃቢት ቃል፡ ቻሮ ኢስፒኖ፡ እቶም በጻሓቲ ኣብ ሓደ ናይቲ ከባቢ ሆቴል እዮም ኔሮም። ብሕጊ ውሸባ ናይ በዓል መዚ ጥዕና ተቐይዶም ክኸዱ ዝግበኦም እኳ እንተነበረ፡ ከምኡ ግን ኣይገበሩን ኢላ።

ብከመይን ስለምንታይን ከም ዝኸዱ ኣይንፈልጥን።

ወኪል ማእከላይ መንግስቲ ኣብቲ ዞባ፡ ን ናይቲ ከባቢ መራኸቢ ቡዙሓን ከምዝበሎ፡ ፖሊስ ነቶም በጻሕቲ ይደልዮም ከምዘሎን፡ ምናልባት እቶም ጉጅል በጻሕቲ ካብታ ሃገር ክወጹ ከይፍትኑ መዕርፎ ነፈርቲ ውን ኣብ ዝለዓለ ተጠንቐቕ ከም ዘሎ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com