Thursday , May 9 2024

ፖሊስ ንኣልኮምፒስ: ሓደጋ ባርዕ ላንድስክሮና (Landskrona) ብሰብ ዝተፈጥረ ክኸውን ከም ዝኽእል ጥርጣሬታት አለና ይብል

ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ላንድስክሮና (Landskrona) ዘጋጠመ ክልተ ሓደጋታት ባርዕ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ ምዃኑ ምንጪታት ፖሊስ ሽወደን ንኣልኮምፒስ፡ ኣረጋጊጾም።

ኣብ ዕለት 5 ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ኣብ ከባቢ ሲልቨርጎርደን (Silvergarden) ሓደ ህንጻ ምቅጻሉን ቅድሚ ክልተ ሳምታት አቢሉ ድማ ኣብ ጎደቦ ከባቢ ኮፓርጎርደን (Copargarden) ተመሳሳሊ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙ ምንባሩ ይዝከር። እዘን ክልተ ከባቢታት ብቑጠባውን ማሕበራዊን ዓቕመን ካብተን ኣዝየን ዝተሃስያ ከባቢታት እየን። መብዛሕትኦም ተቐማጦ እዘን ከባቢታ ድማ ስደተኛታት ምዃኖም ተፈሊጡ አሎ።

ወሃብ ቃል ፖሊስ ላንድስክሮና: ካትሪና ሮዘን: ንኣልኮምፒስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ: እዚ ሓደጋ ባርዕ ኮነ ኢልካ ዝተፈጥረ ምዃኑን ናብ ብዙሓት ደርብታት ናይቲ ህንጻ ክላባዕ ምስ ጀመረ ድማ ነበርቲ እቲ ህንጻ ብስንባደ ኣባይቶምን ንብረቶምን ገዲፎም ከም ዝወጹን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሆቴላት ተዓቒቦም ይነብሩ ከም ዘለዉ ክትብል ሓቢራ።

እዚ ብተደጋጋሚ ዝረአ ዘሎ ሓደጋታት ባርዕ ኣብ ልዕሊ ተቐማጦ እቲ ከባቢ ፍርህን ሽበራን ፈጢሩ ይርከብ። ብሰንኪ’ዚ፡ ብርክት ዝበሉ ተቐማጦ፡ ነቲ ከባቢ ንሓዋሩ ክገድፍዎ ወጢኖም ምህላዎም ተገሊጹ። ነበርቲ እቲ ከባቢ ንኣልኮምፒስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ: ምምሕዳር ከተማ፡ ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ሪኡ ክከታተሎ ኣይከኣለን ክብሉ ቅሬተኦም ገሊጾም ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ክልተ ሓደስቲ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ፕሮጀክታት ተጀሚረን ኣለዋ። እዘን ፕሮጀክታት ምስ ተወዳኣ ድማ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ዋጋታት ኣባይቲ ክውስኽ ከምዝኽእል ግምታት ኣለዉ። እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ፡ ድኹም ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘለዎም ስደተኛታት ስለዝኾኑ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ነቲ ከባቢ ገዲፎም ክኸዱ ክግደዱ እዮም። ስለዝኾነ ድማ እዩ፡ ንምኽንያትን ሓደጋ ዘጋጠመሉ እዋናትን ኣብ ግምት እንተድኣ የእቲናዮ፡ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ክኸውን ከምዝኽእል ጥርጣሬታት ከምዘለዎም እቶም ነበርቲ ዝገልጹ።

እዚ ሓደጋ ባርዕ ብዓሌተኛታት ዝኾኑ ሰባት ኮነ ኢልካ ዝተኸስተ ኮይኑ ዕላምኡ ድማ ብቐጻሊ ፍርህን ሽበራን ተሳቒና ነቲ ከባቢ ክንገድፎ እዩ ክብል ሓደ ካብ ነበርቲ እዚ ህንጻ ዝኾነ ኣኒስ ዓቡድ ንኣልኮምፒስ ሓቢሩ። እዚ ቦታ ሰሓቢ ምስ ምዃኑ ክብርዝዎ ዝደልዩ ሰባት ኣይሰኣኑን እዮም ድማ ይብል።

ኣብዚ ቦታ ን 10 ዓመታት ምስ በዓልቤተይን ደቀይን ተቐሚጠ ኣለኹ። ቅድሚ ሕጂ ሓደጋታት ባርዕ ኣጋጢሙና ኣይፈልጥን እዩ ክትብል ንግዜኡ ኒና ዓማር ዝብል ስም ዝሃበት ነባሪት’ቲ ከባቢ ንኣልኮምፒስ ሓቢራ።

ሳራ ሚናዊ ብወገና፡ ብዛዕባ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ኣመልኪታ፡  ኣቐማጦ ናይዚ ህንጻ ናይ ኢንሹራንስ  ካሕሳ ንምርካብ ብዝብል ምኽንያት ባርዕ ከሳውሩ ይኽእሉ እዮም ኢልካ ምሕሳብ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ እዩ።

እዚ ባርዕ ብኸመይ ተበጊሱ ከም ተላበዐ ብመርመራ ክረጋገጽ እዩ። ስለዚ ክንጽበ ከድልየና እዩ ክትብል ወሃቢት ቃል ፖሊስ’ቲ ከባቢ ዘረባኣ ዛዚማ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com