Friday , April 26 2024

ፖሊስ ዕርቃኑ ዝተራእየ ሰብ ይኣስሩ!!

ፖሊስ ኣብ ገምገም ሳኩና ዕርቃኑ ንዝተራእየ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም። እዚ ሰብኣይ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሽወደን ገምገም ባሕሪ ሎማስትራንድርን እዩ ዕርቃኑ ተራእዩ። ብዙሓት በጻሕቲን ፈተውቲ ባሕሪን ድማ ብባህርይ እዚ ጻዕዳ ቆብዕ ጥራይ ወድዩ እተራእየ ሰብኣይ ባህ ከም ዘይበሎም ገሊጾም ኣለዉ።

ፖሊስ ጻውዒት ተዘናጋዕቲን ፍርሂ ጾታዊ ዓመጽ ድሕሪ ምስምዖም ናብቲ ቦታ ብምብጻሕ ነዚ 57 ዝዕድሚኡ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ከኣ ተፈሊጡ። እቲ ሰብኣይ ነቶም ፖሊስ ምስ ረኣዮክ ፈጺሙ ምስንባዱ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com