Monday , April 29 2024

ፖሊስ ጀርመን ክልተ ኣፍጋናውያን ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ

Credit: Fredrik Sandberg/TT

ፖሊስ ምብራቓዊ ጀርመን: ኣብ ልዕሊ ሪክስዳግ ሽወደን መጥቃዕቲ ንምፍጻም መደብ ኣውጺኦም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ክልተ ዜጋታት ኣፍጋኒስታን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተዉ ማዕከናት ዜና ጀርመን ሓቢረን። ብመሰረት ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ፈደራላዊ ዓቃብ ሕጊ ጀርመን፡ እቶም ጥርጡራት ምስ ጉጅለ ዳዕሽ ርክብ ዘለዎም እዮም። ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ሪክስዳግ ወይ ኣብ ጥቓ ሪክስዳግ ንዝርከቡ ኣባላት ፖሊስን ካልኦትን ተኹሲ ክኸፍቱ መደብ ከምዝነበሮም ድማ ገሊጾም ኣለዉ። ፖሊስን ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ሳፖን ብዛዕባ’ቲ ካብ ጀርመን ዝወጸ ጸብጻባት ዛጊት ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃቡን ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com