Friday , April 26 2024
akg/North Wind Picture Archives

ፍልስፍናን ስነ-ምግባርን ብናስሮቪች


ቀዳማይ ክፋል

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ስነ-ምግባር ግጉይ ግንዛበ እዩ ዘለዎም፡፡ ስነምግባር ዝህሉ ንምቕጻዕ ኣሲርካ ንምሓዝ ወይ ንምዅናን ኣይኮነን፡፡ ነዚ ዝዓዩ እዅላት ኣብያተ ፍርዲ : ኣብያተ ማሕቡስን መደበራት ፖሊስን ኣለዉ፡፡

እዞም ትካላት ንባዕሎም ሕፍቲ ብዘይብሉ ንጹህ ስነ-ምግባራዊ መትከላት ድዮም ዝምርሑ ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል እዩ፡፡ ንኣብነት ሶቅራጦስ ብመስርሕ ፍርዲ ሓሊፉ እዩ ንሞት ተኾኒኑ፡ እንተኾነ ግና ካብቶም ዘቕተልዎ ዝዓቢ ስነምግባርን ናጽነት ኣእምሮን ኔርዎ፡፡

ስነምግባር ብቐንዱ ኣብቲ መቕጻዕቲን ግዳማዊ ኵነኔን ዘይብሉ ቦታ እያ ትውለድ፡፡ ኣብኡ ኸኣ እያ ትፍተን፡፡ ልባዊነት ስነ-ምግባራዊነትና ኣብቲ ካብ ዝኾነ ግዳማዊ ቀይዲ ሓራ ኴንና ባዕልና እንውስነሉ እዋን እያ ትረጋግጽ፡፡

ኣብ ሓደ ድኳን ስሪቕካ ክትውንና እትደሊ ክብርቲ ጃኬት ወይ ላፕቶፕ ኣላ ንበል፡፡ ግና እታ ድኳን ናይ ሓለዋ ካሜራ ኣለዋ፡፡

እናሰረቕካ ከይትተሓዝ እሞ “ሰራቒ” ከይብሉኻ፤ ከይትእሰርን ከይትፍረድን ብምፍራህ ካብቲ ተግባር ክትቁጠብ ትውስን፡፡ እዚ ምስ ስነምግባር ኣይቚጸርን፤ እዚ ኣጉል ውሕልነትን ግብዝነትን እዩ፡፡ ፍርሂ ፖሊስ ብቕንዱ ኣንጻር ስነምግባር እዩ፡፡

እስከ ሕጂ ድማ ኣስማታዊት ቀለቤት ኣላትካ ንበል፡፡ እዛ ኣስማታዊት ቀለቤት ኣብ ኣጻብዕካ ምስ እትወዲ ካብ ትርኢት ሰባት ክትስወርን ማንም ከይረኣየካ ዝደለኻዮ ተግባር ክትፍጽምን ትኽእል ኢኻ ንበል፡፡

እንታይ ምገበርካ? ኣያ ጉዕሽ ኣብ ከባቢኡ ከም ስነ-ምግባራዊን ኣብነታዊን ዜጋ እዩ ዝቑጽር ኔሩ፡፡ ነዛ ቀለበት ምስ ወነነ ግና ኣብ ኣባይቲ ሃብታማት እናኣተወ ብዙሕ ክቡር መዛግብ ሰረቐ፡፡

ማንም ከም ዘይርእዮ ብምትእምማን ከኣ ብዙሓት ቆናጁ ደቀንስትዮ ተጋሰሰ፡፡ እዚ ዛንታ ኣብታ ሪፓብሊክ ዘርእስታ ፍልስፍናዊት ጽሕፍቲ ፕላቶ ዝሰፈረ እዩ፡፡

እቲ ተራኺ “ብስነምግባር ዝመጸ ኣብ መንጎ “ጥዑያት”ን “ዘይጥዑያት”ን ሰባት ዘሎ ፍልልይ ብቐንዱ ናይ ኣጉል ውሕልነትን ግብዝነትን ጥራይ እዩ፤ ምኽንያቱ እዛ ኣስማታዊት ቀለቤት ምስ ወነኑ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ግዳማዊ ፍልልይ ምስሊ ምሉእ ብምሉእ እዩ ጠፊኡ፡፡

ካብ ትርኢት ሰብ ከም እተሰወሩ ምስ ፈለጡ ኩሎም ውልቃዊ ባህታኦምን ክቱር ስሰዐኦምን ኣብ ምርዋይ እዮም ተሃነዲዶም” ይብል፡፡

ሰነ-ምግባር ተራ ጥባረ ኣእምሮ ውይ ውሕልነት ዝለበሰ ግብዝነትን ሓሶትን እዩ ማለት ድዩ?

ፕላቶ ዝተባህለ ፈላስፋ ኣይፋሉን ይብል፡፡

እዛ ስርይቲ ቀለቤት ሓደ ገዚፍ ስነምግባራዊ መዋጥር ሒዛ”ላ፡፡ ብገለ ዕድል ክትውንና እንተትበቅዕ እንታይ ምገበርካ? መሰልን ንብረትን ካልኦት ሰባት ምኽባር ምቐጸልካዶ ወይሰ ሰባት ክርእዩኻ ስለዘይክእሉ ጥራይ ኣብ ውሻጠ ኣእምሮኻ ዝተጠጅኡ ስሱዓት ባህጊታት ከተተግብር ኣብ ራሰያን ዓምጽን ምወፍርካ? እዚ ንዓኻ ብውልቅኻ ዝምልከት ሕቶ እዩ፡፡

ሚሰጥርን መሰል ብሕታውነትን ሰባት መኽበርካዶ? ክብረቶምን ናጽነቶምን ምሓለኻሎምዶ? ንመሳኪን ምገፋዕካዶ? ንብጻይካ ምጠለምካዶ?  ሕጂ”ውን ኣብ ክንዳኻ ኮይኑ ዝምልሰልካ ማንም ሰብ የለን፡፡ እዚ ብውልቅኻ እትሕትቶን እትምልሶን ጉዳይ እዩ፡፡

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ሰባት እትሕረሞ ዝነበርካ ነግራት ነዛ ኣስማታዊት ቀለቤት ምስ ወደኻ እንተውዒልካዮ ምስሊ ስነምግባር ዘሎካ ግብዝ ኢኻ ማለት እዩ፡፡

ሰባት ንኽርእይዎ ዘይኮነ ብናይ ሓላፍነት ስምዒት ጥራይ ተድሪኹ ዝንቀሳቐስ ሰብ–ንሱ እዩ ናይ እማን ስነምግባራዊ ዝበሃል፡፡ መትከላዊ ሰብ ካልኦት ሰባት እንታይ ይብሉን ይሓስቡን ብዙሕ ዘገድሶ ኣይኮነን፡፡

ዓስቢ ስነምግባር እቲ ዝበለጸ ሰላም ኣእመሮን ምስ ግዛእ ርእስኻ ምትዕራቕን እዩ፡፡  

ስነምግባር ብቐንዱ ንገዛእ ነብስና ኣብ ሚዛን ፍርዲ እነቕርበሉ መድረኽ እዩ፡፡ ኣብ ቅድሚ ካልኦት ሰባት መንቅብ ዘይብሉ ስነምግባራዊ ህይወት ዘለዎ ሰብ ኴንካ ክትረአን ሰባት ከተታልልን ትኸእል ኢኻ፡፡

ምስ ውሻጠ ሕልናኻ ግና ከምዚ ዝበለ ጸወታ ዘይሕሰብ እዩ፡፡ ሰብ ንገዛእ ነብሱ ከታልል ከቶ ኣይክእልን እዩ፡፡

ሰነምግባራዊ ምዃን ማለት ብዛዕባ ድሕነት ካልኦት ሰባት ምሕሳብ ማለት እዩ፡፡ እዚ ድርኺት ካብ ፍርሒ ገሃነመ-እሳት ኣይነቅልን፡፡ ምንጩ ተስፋ መንግስተ ሰማያት”ውን ኣይኮነን፡፡

ምስ ገዛእ ርእስኻ ብምትዕራቕን ምስ ካልኦት ሰባት ጥዑይ ዝምድና ብምህናጽ ናይ እማን ህይወት ምንባር እቲ ዕላማ እዩ፡፡ ዓስብኻ ድማ እቲ በይንኻ ኣብ መዓሙቕ እንታይነትካ እተስተማቕሮ ሰላም ኣእምሮን ዕግበትን እዩ፡፡

እዚ ብቐጥታ ምስ ርትዒ ዝተሓሓዝ እዩ፡፡ ሰፒኖዛ ዝተባህለ ፈላስፋ “ጽቡቕ ግበርሞ ባህ ይበልካ” ይብል፡፡ ባህ ክብለካ እንተኾይኑ ናይ እማን ነብሰ-ክብረት ክህልወካ የድሊ፡፡

ነብሰ-ክብረት ከኣ ብነብሰ ግትኣትን ቁጽጽርን እያ ትመጽእ፡፡ ሰብ ነቲ ዝገብሮ እዩ ዝመስል፡፡ ነቲ ዝገብሮ ክውስን”ውን ሓርነት ኣለዎ፡፡ ምሁር፤ ሃብታም፤ ስሙይ ምዃን ትምነ እንተዄንካ ስነምግባራዊ ንምዃን ዘድሊ ኣእመሮን ሕልናን ምምናይን ደጋጊምካ ምስትንታንን ይከኣል እዩ፡፡

እወ! ጕሒላ ዲኻ ክትከውንስ ስነምገባራዊ ሰብ ናይ ምውሳን ምሉእን ውልቃዊን ሓርነት ኣሎካ፡፡  

እሞ ስነ-ምግባር ደኣ ሕጂ እንታይ ንበሎ? ሰነ-ምግባር ሓደ ሰብ ንስለ ክቡራት መትከላት ሰብኣውነትን ገዛእ ሕልናኡን ክብል ናይ ዝርዕሞም ከምኡ”ውን ዝጥንጥኖም ተግባራት ድምር እዩ፡፡

እዚ ንስለ ረብሓ ነፍስኻ ጥራይ ኢልካ ትገብሮ ኣይኮነን (እዚሞ ነፍሰ-ፍትወትን ኣነነትን እንድኣሉ!)፡፡ መቕጻዕቲ ፈሪህካ ወይ ዓስቢ ተጸቢኻ ዝግበር”ውን ኣይኮነን፡፡

ሰነ-ምግባር ንረብሓን ድሕነትን ወዲ ሰብ ኣብ ግምት እናእቶኻ “እንታይ ተገበርኩ ይሓይሽ” ምባል እዩ፡፡

ሕጂ”ውን እቲ ቅኑዕ ሕቶ “እንታይ ተገበርኩ ይሓይሽ” እምበር “ጎረቤተይ እንታይ ተገበረ ይሓይሽ” ኣይኮነን፡፡ ስነ-ምግባር ብመሰረቱ ምፍጻም (ምትግባር) እምበር ብዛዕባኡ ምስባኽ ማለት ኣይኮነን፡፡

እዚ እንተገበርኩም ይሕሸኩም፤ እዚ ተገበርክን ይሕሸክን ዝብል ሰብ ሰባኺ ስነምግባር እምበር ሰነ-ምግባራዊ ኣይበሃልን፡፡

ኣብ ናይ ካልኦት ስባት ተግባራት ኣቲኻ ሞራላዊ ገምጋም ስለዝገበርካ ስነ-ምግባራዊ ኣይትኸውንን ኢኻ፡፡ ሰባት ብዘለዎም መጠን ግንዛበ፤ ትምህርቲ፤ ዝነበሩሉ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኩንታትን ሕልናን እዮም ዝመላለሱ፡፡

እቲ ዝዓበየ ዳይና ተግባራትና ከኣ ባዕልኻ ክሳብ ዝኾንካ ሰባት ንምፍራድ ኣይትተሃወኽ፡፡ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጉንዲ ገዲፍካ ኣብ ዓይኒ ብጻይካ ዘሎ ገፈል ከተውጽእ ኣይትመጣጠር፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com