Friday , April 26 2024
(Johanna Geron/Pool via AP) PAR106

27 ሰናተራት ኣመሪካ ንቱርክ ኣጠንቂቖም።

27 ኣባላት ዘጠቓለለ ጒጅለ “ሰናተራት” ባይቶ ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ቱርክ ጸቕጢ ይገብሩ ምህላዎም ተፈሊጡ። እዞም “ሰናተራት”፡ ሽወደንን ፊንላንድን ኣባላት ኔቶ ከይኮና ቱርክ እተካይዶ ዘላ ዲፕሎማስያዊ ዕንቅፋት ደው ከትብል ሓቲቶም ኣለዉ። ንሳቶም ናብ ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ ዝለኣኽዎ ክፉት ደብዳበ፡ ዔርዶጋን ሽወደንን ፊንላንድን ኣባላት ኔቶ ክኾና ዘይተሕባበር እንተኾይኑ፡ ኣመሪካ ን ቱርክ ነፈርቲ ኲናት “F-16” ከይትሸጠላ ክዓግቱ ምዃኖም ኣጠንቂቖም ኣለዉ።

ነዚ ደብዳበ ካብ ሰልፊታት ዴሞክራስያዊን ሪፓብሊካዊን ዝኾኑ ሰነተራት ከቲሞሞ ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com