Tuesday , April 30 2024
Foto: Blåljusbilder

4 ሰባት ኣብ መንደቕ ባይቶ ሽወደን ጽሑፍ ብምልጣፎም ተቀይዶም።

ኣርባዕተ ሰባት ኣብ መንደቕ ህንጻ ባይቶ ሽወደን “ኣይትፍርሁ” ዝብል ጽሑፍ ብምልጣፎም ፖሊስ ሽወደን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮሞም።

እዞም ኣርባዕተ ሰባት ትማል ምሸት ቅድሚ ምግባእ ባይቶ እዮም ነቲ “ኣይትፍርሁ” ዝብል ኣዝዩ ምርኡይን ፍሩይን ጽሑፍ ኣብ መንደቕ ህንጻ ባይቶ ሽወደን ዝለጠፍዎ።

እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ኮይኖም ገሊኣቶም ኣብ 90ታት ዝተወልዱ እዮም ክብሉ ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ።

ብዛዕባ እዞም ሰባት ካልእ ዝያዳ ሓበሬታ ዛጊት ኣይተረኽበን።፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com