Monday , April 29 2024
(AP Photo/Petros Karadjias) XPK114

40 ሜትሮ ዝንውሓቱ ናይ መካነ መቓብር ሓጹር ፡ ጠፊኡ

ኣብ መካነ መቓብር ኦስትራ፡ ማልመ፡ ተተኺሉ ዝነበረ 40 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ናይ ሓጺን ሓጹር፡ ብለይቲ፡ ካብ ቦትኡ ተላዒሉ ከምዝተሰርቀን እተን ነቲ ሓጹር ሒዘን ዝነበራ ዓንድታት ጥራይ ከምዝተረፋን እቲ ጉዳይ ብሓደ ኣባል ናይቲ መካነ መቓብር ከምዝተፈልጠን፡ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እቲ ሓጹር፡ ቅድሚ እቲ ፍጻሜ ኣብ ዝነበረ ምሸት፡ ኣብ ቦትኡ ከምዝነበረን፡ ንጽባሒቱ ንግሆ ናብ ስራሕ ምስ መጻና ግን፡ እቲ ሓጹር ኣብ ቦትኡ ኣይጸናሓናን ክትብል ወሃቢት ቃል ናይቲ መካነ መቓብር፡ ሳራ ኣንደርሶን፡ ንፖሊስ ማልመ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ሓቢራ። እቲ መካነ መቓብር፡ ክውል ኣብ ዝበለ ቦታ ስለዝርከብ፡ ከይተረበሽካ ስራሕካ ክትሰርሓሉ እትኽእል ቦታ ምዃኑ ይፍለጥ።

ፖሊስ’ቲ ከባቢ፡ ሓጹር ሒዞም ወይ ጺዒኖም ንዝኸዱ ሰባት፡ ዝረኣዩ እንተደኣ ሃልዮም፡ ረኺቦም ንኸዘራርብዎም፡ ኣብ ስራሕ ተጸሚዶም ኣለዉ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com