Friday , April 26 2024

45 ሚልዮን ፖውንድ፡ ዋጋ ሓደ ቅብኣ

ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ምዃኑ እተነግረሉ፡ ቅብኣ ብሪጣንያዊ ኣርቲስ፡ ሳቻ ጃፍሪ፡ ብ45 ሚልዮን ፓውንድ ከም እተሸጠን ኣታዊኡ ድማ ህጻናት ንምሕጋዝ ክውዕል ምዃኑን ተፈሊጡ።

ቀባኢ ሳቻ ጃፍሪ፡ ነዚ 1600 ትርብዒት ሜትሮ ዝስፍሓቱ ቅብኣ ንምውዳእ 8 ኣዋርሕ እዩ ወሲድሉ። እዚ ቅብኣ፡ ኣብ ኣዳራሽ መሳዕስዒ ሓደ ዝተጠንጠነ ሆቴል ዱባይ ከም ዝርከብ ድማ ተመልኪቱ። ዋላኳ እቲ ኣርቲስት ነዚ ቅብኣ ኣብ 70 መቒሉ ክሸጦ መደብ እንተነበሮ፡ ሓደ ፈረንሳዊ ነጋዳይ ነታ ቅብኣ ብምልእታ ክገዝኣ ምውሳኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ሳቻ ጃፍሪ፡ ብህይወቶም ካብ ዘለዉ ኣርቲስታት ብዝኸበረ ዋጋ ስርሑ ዝሸጠ ተባሂሉ ክብረ ወሰን ሒዙ’ሎ። ምሉእ ዋጋ እዚ ቅብኣ ናብ ዱባይ ኬርስ፥ ዩኒሴፍ፥ ዩኔስኮን ግሎባል ጊፍት ፋውንዴሽንን ብምኻድ ኣብ ሽግር ዘለዉ ህጻናት ህንዲ፥ ደቡብ ኣፍሪቃ፥ ብራዚልን ኢንዶነዥያን ንምርዳእ ክውዕል እዩ ክብል እቲ ኣርቲስት ገሊጹ’ሎ።

ወዲ 44 ዓመት፡ ጃፋሪ፡ ፍርቂ ናይዚ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ገንዘብ ክእክብ መደብ ከም ዝነበሮን በዚ ተረኺቡ ዘሎ መጠን ገንዘብ፡ ኣዝዩ ከም እተሓጐሰን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com