Friday , May 17 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳታት ክትጽዕን ድሉውቲ ምህላዋ ትገልጽ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ምሉእ ወራር እንድሕሪ ፈጺማ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሌኣ እገዳታት ክትጽዕን ተዳልያ ምህላዋ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሊዝ ትራስ እታ ሃገር ኣፍሊጣ። ንሳ ተወሰኽቲ እገዳታት እውን ክዳለዉ ከም ዝግባእ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። ትማል ሰሉስ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ሕሳብ ባንክ ሰለስተ ሩስያውያን ቢልዬነራት ከምኡውን ሓሙሽተ ባንክታት ምድስካሉ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ግና ብርክት ዝበሉ ኣባላት ባይቶ እንተላይ ገለ ዓቃባውያን ኣብ ልዕሊ …

Read More »

ኣብ ዓለምና ዴሞክራሲ እናንቈልቈል ይመጽእ ኣሎ።

ኣብ ዙርያ ዓለም ካብ ዘለዉ ዴሞክራስያውያን ሃገራት ውልቀ-መለኽቲ እናበዝሑ ምምጽኦም ድሕሪ 2004 ሕጂ ጸብጻቡ ዝፈነወ በርተልስማን ትራንስፎርሜሽን ኢንዴክስ ኣመልኪቱ። ካብተን ዝተመርመራ 137 ኣብ ምምዕባል ዝርከባን ኣብ ስግግር ዘለዋን ሃገራት እተን 67 ጥራይ እየን ሓቀኛ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ክሃንጻ ክኢለን ዘለዋ ዝበለ እቲ ጸብጻብ ቊጽሪ ውልቀመለኽቲ ስርዓታት ናብ 70 ምዕባዩ ወሲኹ ኣረዲኡ። “ኣብ ናይ 15 ዓመታት ስራሕና ዝመዝገብናዮ ዝኸፍአ ፖለቲካዊ ምስግጋር እዩ ክበሃል ይከኣል እዩ” …

Read More »

ጥዕና ኣእምሮ ኣካል ካሪክለም ክኸውን ጻውዒት ቀሪቡ።

ቈልዑ ልክዕ ከም ስፖርት ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ እውን ክመሃሩ ከም ዝግብኦም 16 ኣብ ጥዕናን ድሕነትን ቈልዕ ኣሰርሓ ውድባት ጻውዒት ኣቕሪበን። ካብ 1 ክሳብ 15 ዝዕድሜኦም ቈልዑ ሽወደን ብስእነት ጥዕና ኣእምሮ ከም ዝሳቐዩን ጸረ ጭንቀት መድሃኒት ዝወስዱ ቆልዑ ቊጾም ክውስኽ ምርኣይ እውን እናተለምደ ምምጽኡን እተን ውድባት ኣብቲ ጻውዒተን ኣመልኪተን ኣለዋ። ኣብ ክፍሊ ዝወሃብ ምህሮ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ንቆልዑን መንእስያትን እዚ ሽግር ፈጺሙ ከይዓብልሎም እናሃለወ ብኸመይ …

Read More »

መንገዲ ኣየራት ሉፍታንዛን ስዊዝን ናብ ኪዬቭ ዝገብራኦ በረራ ደው ኣቢለን።

መንገዲ ኣየራት ሉፍታንዛን ስዊን ካብ ትማል ሰኑይ ኣትሒዘን ናብ ርእሰ ከተማ ዩክሬይን ኪዬቭ ዝገብራኦ በረራ ደው ምባለን ቢቢሲ ገሊጻ። እዚ ዝገበራሉ ምኽንያት ዝኢፍ ምኽታት ሰራዊት ሩስያ ኣብታ ሃገር ተከሲቱ ብዘሎ ጸጥታዊ ቅልውላው ምዃኑ እተን መንገዲ ኣየር በብወገነን ኣብ ዘውጽኦኦ መግለጺ ሓቢረን ኣለዋ። ጀርመናዊ መንገዲ ኣየር ብዘይካዚ ናብታ ኣብ ጸሊም ባሕሪ እትርከብ ኣገዳሲት ከተማ ኦዴሳ ዝገብሮ በረራ እውን ደው ከብሎ ምዃኑ …

Read More »

ሩስያ ን ሉሃንስክን ዶነትስክን ከም ናጻ ሃገራት ኣፍልጦ ሂባ።

ሩስያ ነተን ካብ ምብራቕ ዩክሬይን ዝተፈንጨላ ዞባታት ከም ናጻ ሃገራት ኣፍልጦ ከም ዝህበን ብቐጥታ ብተሌቪዥን ኣብ ዝፈነዎ መግለጺ ሓቢሩ። ብዘይካዚ ፑቲን ምስዞም ካብ ዩክሬይን ዝተገንጸሉን ደገፍቲ ሩስያን ዝኾኑ መራሕቲ ናይ ምሕዝነትን ምትሕግጋዝን ውዕል ምኽታሙ AFP ጸብጺቡ። ፑቲን ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬይንን ዝጸንሐ ታሪኻዊ ርክብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃበ ነዊሕ መግለጺ ዩክሬይን ብቐንዱ ብ ሕብረት ሶቪዬት ዝቖመት ሃገር እያ ኢሉ። እዚ ውሳነ …

Read More »

ኖርዌይ ሓድሽ ክብረ-ወሰን ኮሮና።

ብሰንኪ ኣብ ዩክሬይን ዘሎ ጸጥታዊ ወጥሪ ሽወደን ንገለ ኣባላት ኤምባሲኣ ካብ ኪየቭ ናብ ዓዶም ክምለሱ ጌራ። “ብሰንኪ ጽንኲርን ክትንበዮ ዘሸግርን ጸጥታዊ ኲነታት ኤምባሲና ኣባላቱ ካብ ኪዬቭ ከጒድል ወሲኑ’ሎ” ክትብል ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ ገሊጻ’ላ። ቤተሰብ እቶም ኣባላት ኤምባሲ ብመሰረት እቲ ሚኒስትሪ ዝገብሮ ጻውዒት ድሮ ናብ ሽወደን ተመሊሶም ኣለዉ። ንምዕባለታት እቲ ከባቢ ብኣንክሮ ይከታተሎ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ሚኒስትሪ ብዘይካ …

Read More »

ኣብ ምንሽርታት በረድ ዝሳተፉ ካብ መንደራጋሕ ክጥንቀቑ መጸዋዕታ ቀሪቡ።

ኣብ እምባታት ሽወደን ኣብ ጸወታ ምንሽርታት በረድ ዝሳተፉ ዘበሉ ኣብዚ ወቕቲ ካብ ዘጋጥም መንደራጋሕ ዘድሊ ጥንቃቐ ክገብሩ ሰብመዚ ኣጠንቂቖም ኣለዉ። ኣብ መወዳእታ ለካቲትን ምጅማር ወርሒ መጋቢትን ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ንሰሙን ዝዕጸዋሉን ብዙሓት ስድራቤታት ንበዓላት ናብ ዓቐብ ዝበዝሖ ከባቢታት ከም ዝዛወሩን እቶም ሰብ መዚ ገሊጾም። ኣብ ምንሽርታት በረድ ዝዋፈሩ ሰባት ኣብ ክንዲ ናብ ጸዳፋት ቦታታት ኣብ ፍሉጣት …

Read More »

ኣብ ማእከላይ ሽወደን ብዝወረደ ውርጪ ትራፊክ ተዓጊቱ።

ኣብ ማእከላይ ሽወደን ክሳብ 30 ሰንቲሚተር ዝኸውን ውርጪ ክወርድ እዩ ዝብል ትጽቢት ምህላዉ ተገሊጹ። ቤት ጽሕፈት ሜትሮሎጂ ሽወደን ኣብ ኡረብሮ፡ ቫስትራ፡ ኣፕሳላ ከምኡውን ስቶክሆልም ብርቱኻናዊ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ’ሎ። ኣብ ማእከላይ ኡረብሮ ብስንኪ ውርጪ ዓበይቲ መካይን ተዓጊተን ጒዕዞአን ዘገምታዊ ክኸውን ምግዳደን ተመልኪቱ’ሎ። በዚ ድማ ኲሎም ህዝባዊ መጓዓዝያታት ክስረዙ እንከለዉ ኣብ ስቶክሆልም ከምኡውን ዞባታት ቫስትማላንድ ን ኣፕሳኣን ምዕጋት ትራፊክ ከም ዘጋጠመ ተሓቢሩ። ብዘይካቲ …

Read More »

ኦስትራልያ ዶባታ ን ኣህጒራዊ በጻሕቲ ከፊታ።

ኦስትራልያ ንኽልተ ዓመት መመላእታ ተዓጽያ ድሕሪ ምጽናሕ ዶባታ ንኣህጒራውያን በጻሕቲ ከፊታ’ላ። እዚ ውሳነ ነቶም ምስ ስድራኦም ተፈላልዮም ዝጸንሑ ሰባት ዓብዪ ሓጎስ ፈጢሩሎ። ብዘይካዚ ጽላት ቱሪዝም ኣብ ምብርባር እውን ተወሳኺ ኣወኦታዊ ስጒምቲ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። ኦስትራልያ ብምኽንያት ኮቪድ ካብ መጋቢት 2020 ኣትሒዛ ኣዝዩ ጽንኲር ናይ ጒዕዞ መምርሒታት ኣጽኒዓ ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ። ኦስትራልያውያንን ካልኦትን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሕዞም ክምለሱ እኳ እንተተፈቒደሎም ወጻእተኛታት ግና …

Read More »

ንግስቲ ኤልሳቢጥ ብ ኮቪድ-19 ተለኺፋ።

ንግስቲ ኤልሳቢጥ ብኮቪድ-19 ከም እተለኽፈት ቤተመንግስቲ ባኪንሃም ገሊጹ። ፍዂስ ዝበሉ ምልክታት እቲ ሕማም ተርኢ ምህላዋ ዝገለጸ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ሳምንታት ኣብ ዊንድሶር ፍዂስ ዝበለ ዕዮታታ ክትቅጽል እያ ዝብል ውጥን ምህልዉ ወሲኹ ኣመልኪቱ። “ኣድላዪ ሕክምናን መምርሒታትን ምስዓብ ክትቅጽል እያ” ይብል እቲ ዜና። ኣብ ቤተመግሲ ባንኪንሃም ን ቦኽሪ ወዳ መፍስን ዌልስ ሓዊስካ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት በቲ ሕማም ከም እተለኽፉ ክግለጽ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com