Friday , May 17 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ባይደንን ፑቲንን ብጉዳይ ዩክሬን ክዘራረቡ እዮም

ኣብ ዩክሬን እናበኣሰ ዝመጽእ ዘሎ ውጥሪ ምኽንያት ብምግባር: ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን መዘናኡ ሩስያዊ ፑቲንን ጽባሕ ሰሉስ ናይ ቪድዮ ዘተ ክገብሩ ምዃኖም ካብ ዋይት ሃውስ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ: ኣንዮኒ ብሊንከን: ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ክትገብር ምዃና ሓበሬታ ምርካቡ ድሕሪ ምግላጹ እዩ እዚ ዘተ ክግበር ተዓዲሙ ዘሎ። እንተኾነ ግና ፑቲን ወራር ንምፍጻም ኣብ መወዳእታ …

Read More »

ምሕደራ ሽወደን . . . 6ይ ክፋል . . . ባጀትን ሕጋዊ ኣካይዳን

ናይ ዝቕጽል ዓመታዊ ባጀት ናይ ማእከላይ መንግስቲ ንምድላው፡ ክሳብ ሓደ ዓመት ዝወስድ ጉዳይ እዩ። እቲ መስርሕ፡ ሚኒስተር ፋይናንስ፡ ብዛዕባ ቁጠባዊ ምዕባለታት ናይታ ሃገር ኣመልኪቱ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ፡ መብርሂ ናብ መንግስቲ ድሕሪ ምቕራቡ እዩ ዝጅመር። ብዛዕባ ባጀት ማእከላይ መንግስቲ ብዝምልከት ድማ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ዝግበሩ ምርርባት ዝካየዱሉ እዋን ድማ ኣብ ወርሒ መጋቢት እዮ። ሓፈሻዊ ኣተኩሮ ኣብ ልዕሊ መደባት ናይ ዝመጽእ ዓመት፡ …

Read More »

ምሕደራ ሽወደን . . . 5ይ ክፋል . . . መንግስታዊ ትካላት

ነፍሲ ወከፍ ሚኒስትሪ፡ ነቶም ብመንገዲ ባይቶን መንግስትን ውሳኔ ንዝተበጽሐሎም ዋኒናት ንምትግባር ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ መንግስታዊ ትካላትን በዓል መዝታትን ሙሉእ ሓላፍነት ኣለዎ። ከም በዓል መዚ ጉዳይ ስደተኛታት ሽወደንን በዓል መዚ መኽፈሊ ግብሪ ሽወደንን ዝኣመሰሉ፡ ኣብነት ናይ መንግስታውያን በዓል መዝታት እዮም። መንግስቲ ሽወደን ነዞም መንግስታውያን ትካላት ኣንፈት ናይቲ ዓመታዊ ናይ ባጀት ዋሕዚ ኣመልኪቱ መምርሒ ይህቦም።  እቶም መንግስታውያን ትካላት ድማ ንሸቶታት ናይቶም ትካላት …

Read More »

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ 20 ሽሕ ዝኸውን ዘይተመለሰ ደብዳቤታት ከምዘለዎ ገሊጹ

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ 20 ሽሕ ዝኸውን መልሲ ዘይተዋህበሎም ናይ ዓማዊል ኤሌክትሮኒካዊ ደብዳቤታት (e mail) ኣብ ኢዱ ከምዘሎ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ በዓል መዚ፡ ነቲ ዘሎ ብዝሒ ደብዳቤታት ንምጽፋፍ ብምባል፡ ንኣባላቱ፡ ትርፊ ሰዓታት ንኽሰርሑ እኳ እንተ ገብረ፡ እቲ ስራሕ ከምቲ ዝድለ ክስጉም ስለዘየከኣለ፡ ተወሰኽቲ 55 ግዝያውያን ሰራሕተኛታት ቆጺሩ ከምዘሎ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ። ኣብዚ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብ ኣማኑኤል ሳህለ …. ተኣምራትን ምስጢራቱን (The Anatomy Of The Miraculous) …. ሳልሳይን ናይ መወዳእታ ክፋልን

ብኻልእ መገዲ ኪረአ ከሎ፡ ኣብ ፍጥረት ፍልይ ዝበለ፡ ካብቲ ልሙድ ሕጊ ዝወጸ ፍጻመታት ወይ ክስተታት ወይ ባህርያት ኪህሉ ግድን ኢዩ፡ ምኽንያቱ ድማ ኣብቲ ደረት ዘይብሉ ዩኒቨርስ፡ እቲ ሕጊ’ውን ከምኡ ደረት ኪህሉዎ ኣለዎ ኪብሃል ኣይከኣልን። ነዚ ኣብነት ዝኾነና ድማ እቲ ከም  ብላክ ሆል (Black hole ) ዚፍለጥ ኮዝሚካዊ ክስተት ኢዩ። ገለ ተመራመርቲ ከም ዚብሉዎ፡ ኣብ ብላክ ሆል ኩሉ ነገራት ብግልብጥ ኢዩ …

Read More »

Harmony Media News 03/12/2021

Read More »

ምሕደራ ሽወደን . . . 4ይ ክፋል . . . መንግስታዊ ቤት ጽሕፈታት (Government Offices) ኣብ ስራሕ ክውዕል ከሎ

መንግስታዊ ቤት ጽሕፈታት (Government Offices) ከም ሓደ ኣካል ናይ መንግስቲ ዝዓዪ ኮይኑ፡ ነቲ መንግስቲ ኣብ ከይዲ ምሕደራ እታ ሃገር ዝድግፍን እቶም ፖሊሲታት ናይታ ሃገር ንኽዕወቱን ዝሕግዝን መንግስታዊ ትካል እዩ። መንግስታዊ ቤት ጽሕፈታት፡ ንቢሮ ቀዳማይ ሚኒስቴር፣ ነቶም ካልኦት ሚንስትሪታትን ንቢሮ ምምሕዳራዊ ጉዳያትን ዘካትት ኣካል ናይቲ መንግስቲ እዩ። እዚ ቢሮ’ዚ፡ ናብ 4,500 ዝጽግዑ ሰራሕተኛታት ዘለውዎ ኾይኑ፡ ካብዚኣቶም እቶም 200 ናይ ፖለቲካ ሹመኛታት …

Read More »

ኣመሪካ፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ምንጻል ጥንሲ ንዝውስን ናይ ግዜ ገደብ፡ ደጊፉ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ ነቲ ድሕሪ 15 ሳምንቲ ጥንሲ ድቂ ከይንጸል ዝድንግግ ሕጊ ሚሲሲፒ ብምድጋፍ፡ ካብዚ ግዜ ዝሓልፍ ምንጻል ጥንሲ ብሕጊ ክእግድ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ ጥንሲ፡ ብጾታዊ ዓመጽ ወይ ናይ ኣዝማድ ጾታዊ ርክብ እውን ዝተፈጥረ እንተኾነ እዚ ሓድሽ ሕጊ ዝምልከቶ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ዝበዝሑ ዓቃባውያን ኣመሪካውያን ነዚ ብረቡዕ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ፡ ዝጸደቐ ውሳነ ከም ዝድግፍዎ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ። እዚ ሕጊ ኣብ …

Read More »

ምሕደራ ሽወደን . . . 3ይ ክፋል . . . ብሓባር ምውሳን

ኣብቶም ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ኣብ ዝጋብኡ (ዝሳለጡ) መንግስታዊ ዋዕላታት፡ መንግስቲ ኣብ ኩሎም መንግስታዊ ውሳኔታት ናይ ሓባር ውሳኔታት ይውስን። መንግስቲ ውሳኔ ንኽውስን፡ ብውሕዱ 5 ሚኒስተራት ክርከቡ ኣለዎም። እዞም ዕላውያንን ናይ መወዳእታን ዝኾኑ መንግስታዊ ውሳኔታት’ዚኦም ኣብ ስምምዕ ንኽበጽሑ ዝኽተሉዎ መስርሕ ነዊሕ ግዜ እዮ ዝወስድ። መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ናይ መንግስቲ ውሳኔ ዝትግበር ድሕሪ ዕላዊ ዝኾነ ናይ በዙሕ ኣዋርሕ ዕዮታት ስዒቡ እዩ። ሓደሓደ …

Read More »

ኣብ ዞባ ዮንሾፒን፡ ግዳያት ኦሚክሮ ምህላዎም ተረጋጊጹ

ሓደ ሰብ በዚ ሓድሽ ጅር ቫይረስ ዓሌት ዝኾነ ኦሚክሮን፡ ከም ዝተለኽፈ ተረጋጊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ውልቀ-ሰብ፡ ኣብ ሓንቲ ካብተን ብትካል ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ንኸይግየሸን መጠንቀቕታ ዝተዋህበለን ሃገራት በጺሑ ከምዝተመልሰ ዝፍለጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ግዳይ፡ ፎኮስቲ ምልክታት ሕማም ጥራይ ስለ ዘርኣየ፡ ሕክምናዊ ክንክን ኣየድልዮን`ዩ ተባሂሉ። ኣብ ወጻኢ ዓለምን ካልእ ክፍልታት ሽወደንን ቁጽሪ ግዳያት እና ወሰኸ ይኸይድ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com