Friday , May 17 2024

ስራሕን ቁጠባን

ግብጺ፡ ንምምላእ ሓጽቢ ሚለንየም፡ ኮኒና

ኢትዮጵያ፡ ንትሕዝቶ ናይቲ ኣብ ገምገም ፈለግ ኒል ዝህነጽ ዘሎ ሓጽቢ ሚለንዬም ንምምላእ ምውሳና፡ ግብጺ፡ ኣትሪራ ከም እትዂንን ኣፍሊጣ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓጽቢ ሚለንዬም ክመልእ ምዃኑ ወግዓዊ መግለጺ ከምዝሃበ፡ ዝገለጸ ሚኒስተር መስኖ ግብጺ፡ መሓመድ ዓብደል ዓጢ፡ ነቲ ውሳነ ብትሪ ከም ዝቋወሞ ሓቢሩ። እዚ በይናዊ ውሳነ ኢትዮጵያ፡ ምግሃስ ኣህጒራዊ ሕግን ኣብ ኣህጒራውያን ሩባታት ዝድኮኑ ፕሮጀክቲታት ኣንተላይ ፈለግ ኒል ዝምልከቱ ሕግታትን ዝጥሕስ እዩ …

Read More »

ኣብ ቬስተርቦተን፡ ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ ኮቪድ፡ ወሲኹ

ኣብ ቬስተርቦተን፡ ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ ኮቪድ፡ ወሲኹ ክብል ቤት ጽሕፈት እቲ ምምሕዳር ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ 59 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኽፉ ዝሓበረ ጸብጻብ ምምሕዳር፡ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን፡ እቲ ቁጽሪ 31 ምንባሩ ገሊጹ። እዚ ምውሳኽ ብዝሒ ዝተለኽፉ ሰባት፡ ብሰንኪ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ሚድሱመር ዘጋጠመ መልከፍቲን፡ ብተወሳኺ ድማ፡ ባዕላዊ መርመራ ኮቪድ ኣብ እዋን ሚድሱመር ተዓጽዩ ብምንባሩ …

Read More »

ሰሙናዊ ጸብጻብ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት

ሰሙናዊ ጸብጻብ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ ብዙሕ ለውጢ ከይገበረ ይቕጽል ምህላዉ ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊንየን ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 10,700 ስራሕ ክረኽቡ እንከለዉ፡ 10,400 ዝኾኑ ሰባት ድማ ስራሕ ኣልቦ ከምዝኾኑ ተመዝጊቦም። በዚ ድማ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት 7.9% በጺሑ ከምዘሎ ጸብጻባት እቲ ቤት ጽሕፈት ይሕብሩ። ስራሕ ካብ ዝደልዩ ዘለዉ ሰባት፡ እቶም 2600 ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 24 …

Read More »

ሰርሰርቲ፡ ብሚልዮናት ዶላራት ዝበጽሕ በጃ ንክኽፈሉ ይሓቱ

ኣብ ልዕሊ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኩባንያታት፡ ብመንገዲ ኢንተርኔት መጥቃዕታት ዘካይዱ ሰርሰርቲ (cyberattackers) ነቲ ዝዓጸውዎ ስርዓተ ኢንተርኔት ንኽኸፍቱ ክሳብ 70 ሚልዮን ዶላር ወይ ድማ 600 ሚልዮን ክሮነር ፡ በጃ ንኽኽፈሉ ከምዝሓተቱ ሮይተርስ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ካብተን በዞም ሰርሰርቲ ዝተጠቕዓ ሽወደናውያን ኩባንያታት ኩፕ (Coop)፡ ኣፖቴክ ህየርታን (Apotek Hjärtat) ኤስ ጀ (SJ) ምንባረን ይፍለጥ። ረቪል (Revil) ዝተባህለ ጉጅለ ሰርሰርቲ፡ …

Read More »

ክፍሊ መወልዳን ሊክሰለ (Lycksele)፡ ተዓጽዩ

ኣብ ሊክሰለ ዝርከብ ክፍሊ መወልዳን፡ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ሕጽረት ኣሕረስቲ (midwives)፡ ካብ ዕለት 26 ሓምለ ጀሚሩ፡ ንሰለስተ ሳምንታት ተዓጽዩ ክጸንሕ ምዃኑ ምምሕዳር ቬስተርቦተን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ምጅማር ወርሒ ሰነ፡ ብሰንኪ ወቅቲ ክረምቲ ዘጋጥም ናይ ምዕጻው መስርሕ ኣይክህልውን እዩ ክብሉ እቶም ኣሕረስቲ ተዛሪቦም ምንባሮም ይዝከር። ይኹን እምበር፡ ወላ’ኳ እቲ ክፍሊ፡ ኣብዚ ወቕቲ ክረምቲ ክፉት ኮይኑ ንኽጸንሕ ጻዕርታት እንተ …

Read More »

ሓንቲ ነፋሪት፡ ሞቶረኣ ብምብልሻዉ፡ ኣብ ማይ ክትዓልብ ተገዲዳ

ሓንቲ ቦይንግ 737 ዝዓይነታ ናይ ጽዕነት ነፋሪት፡ ኣብ በረራ እንከላ ኣብ ሞቶረኣ ብልሽት ድሕሪ ምግጣሙ፡ ኣብ ማያት ሆኖሉሉ፡ ርእሲ ከተማ ሃዋይ፡ ክትዓልብ ከምዝተገደደት ማዕከን CNBC ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብታ ነፋሪት፡ ክልተ ሰባት ጥራይ ከምዝነበሩን፡ ብሓለዋ ገማግም ሃዋይ ከምዝደሓኑን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘለዉን መባእታዊ ሓበሬታ ገሊጹ። ቦይንግ 737 ዝዓይነተን ነፈርቲ፡ ድሕሪ’ቲ ሂወት ናይ 346 ሰባት ዝቐዘፈ ክልተ ሓደጋታት …

Read More »

ውድድር ሃብታማት ሰብ ጸጋ ዓለምና

ናብ ጠፈር መን ቀዳማይ በጽሐ ብዝብል፡ ሃብታማት ሰብ ጸጋ ዓለምና ዝኾኑ እንግሊዛዊ ሪቻርድ ብራንሶንን ኣሜሪካዊ ጀፍ ቤዞስን ኣብ ጽዑቕ ውድድር ተጸሚዶም ከምዘለዉ ተሓቢሩ። ወዲ 70 ዓመት ዝኾነ ብራንሶን፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን፡ ዕለት 11 ሓምለ፡ ኩነታት ኣየር እንተድኣ ምቹእ ኮይኑ፡ብዋንነት ኩባንይኡ ዝኾነት ቪርጅን ጋላክቲክ ዝተሰምየት ናይ ጠፈር መርከብ ኣቢሉ ክጓዓዝ ወሲኑ ከምዘሎን በዚ ድማ፡ ነቲ ኣብ ዕለት 20 ሓምለ፡ ብዋንነት ኩባንይኡ …

Read More »

ኡጋንዳ: ሓድሽ ቀረጽ ሞባይል ኣተኣታትያ

ኡጋንዳውያን ተጠቀምቲ ኢንተርነት: ካብ ሎሚ ሓሙስ ጀሚሮም: ካብ ሕሳብ ሞባይሎም 12% ቀረጽ ክኸፍሉ እዮም ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ሓቢሩ። ብዘይካ’ዚ: “ቀረጽ ማሕበራዊ ሚድያ” ዝተሰምየ ኣገባብ ኣቐዲም ኣቢሉ ብ OTT ዝፍለጥ ቀረጽ ተኣታትዩ ምንባሩ ይፍለጥ። ባይቶ ኡጋንዳ: ድሕሪ ዝኣወጆ ምምሕያሽ ሕጊ: እዚ ኣገባብ ከም እተኣታተወ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ እዚ ቀረጽ ኣብ ምምዕባል ጽላታት ሕክምናን ትምህርቲን ክውዕል እዩ ኢሉ። ብዙሓት ኡጋንዳውያን VPN እናተጠቕሙ …

Read More »

ዕቤት መጠን ልቓሕ ኣባይቲ: እናዓበየ ይመጽእ ምህላዉ ተገሊጹ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት: ዓመታዊ ዕቤት መጠን ልቓሕ ኣባይቲ: 5.9% ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ ካብቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝነበረ መጠን: ብ0.2% ከምዝዓበየ ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ሽወደን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ቅድሚ ሓደ ዓመት: ዓመታዊ ዕቤት መጠን ልቓሕ ኣባይቲ: 5.1% ከምዝነበረ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ ወርሒ ግንቦት 2021: ገንዘባዊ መጠን ብዝሒ ልቓሕ ኣባይቲ: 4548 ቢልዮን ክሮነር ምብጽሑ ይዝከር። እዚ መጠን ምስ …

Read More »

ናይ መጓዓዝያ ባቡራት: ምሉእ ትኬታተን ክሸጣ ክጅምራ እየን

ኩባንያ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኤስ ጀይ (SJ) ካብ ዕለት 15 ሓምለ ጀሚሩ: ምሉእ ናይ ባቡር ትኬታት ክሸይጥ ክጅምር ምዃኑ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ካብ ዕለት 14 የካቲት ጀሚረን: እተን ልዕሊ 150 ኪ.ሜ. ዝጓዓዛ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን: ትኬት ናይ ፍርቂ ብዝሒ መናብር ጥራይ ክሸጣ ተፈቒዱለን ምጽንሑ ይፍለጥ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com