Friday , May 3 2024

ስራሕን ቁጠባን

ሶማሊላንድ፥ ሓድሽ ወደብ ትኸፍት

ኣብታ ናጽነታ ዝኣወጀት ዛጊት ግና ኣፍልጦ ማሕበረሰብ ዓለም ዘይረኸበት: ሪፓብሊክ ሶማሊላንድ: ሓድሽ ወደብ ከም እተመረቐ ተገሊጹ። እዚ ወደብ ኣብ መንጐ ሶማሊላንድን ዞባ ወሽመጥ ዓደንን ዘሎ ናይ ንግድ ንጥፈታት ከደንፍዕ እዩ ዝብል ግምታት ምህላዉ እውን ተመልኪቱ። ብዘይካዚ: ነታ ወደብ ኣልቦ ኢትዮጵያ ዓብዪ ሓገዝ ዝህብ ክኸውን እዩ ተባሂሉ’ሎ። ዝሓለፈ ወርሒ: መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ዱባይ ዝመደብሩ DP World ዝተባህለን ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ትካል …

Read More »

ኣብ ዅሊፍቶ (Skellefteå): ዋጋ 1.3 ቢልዮን ክሮነር ስምምዕ ተኸቲሙ

ዋንነት ምምሕዳር ከተማ ዅሊፍቶ ዝነበረ ዝዓበየ ክፋል ናይ ኢንዱስትርያዊ ኣከባቢ: ናብ ሓደ NP3 ዝተባህለ ኩባንያ ከምዝተሸጠ: ምምሕዳር ከተማ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቲ ክሳብ 135 ሽሕ ትርብዒት ሜትሮ ዝስፍሓቱ ኢንዱስትርያዊ ኣከባቢ: ብ 1.3 ቢልዮን ክሮነር ከምዝተሸጠን እዚ ድማ ኣብ ዕዳጋታት ኣባይቲ ምምሕዳር ከተማ ዅሊፍቶ: እቲ ዝኸበረ ስምምዕ ምዃኑ ይንገር። ኣፍራይ ባተሪታት ዝኾነ ኩባንያ ኖርዝቮልት: ሓድሽ ፋብሪካ: ኣብ ምምሕዳር …

Read More »

ግብጺን መርከብ ኤቨርግሪንን ብጉዳይ ካሕሳ ይሰማምዓ

ኣብ መንጎ ሰብ መዚ ግብጺን ወነንቲ ናይታ ኣብ መትረብ ስወጽ ተዓጊታ ዝነበረት መርከብን ፍልማዊ ውዕል ካሕሳ ከም እተበጽሐ ይግለጽ ኣሎ። ዝሓለፈ ዓመት: መርከብ ኤቨርግሪን ኣብ መትረብ ስወጽ ኣጽቢባ ክትጥወ ክትብል ምስ ተዓግተት: ብዙሓት መራኽብ ኣብ ደውታ ከም ዝነበራ ዝፍለጥ እዩ። ወንነቲ እታ መርከብን ትካል መድሕንን ምስ ሰብመዚ ግብጺ ኣብ ጒዳይ ካሕሳ ምስምማዕ ስኢኖም ኣብ ክርክር ምጽንሖም ድማ ጸብጻባት የመልክቱ። በዓልመዚ …

Read More »

ሓደ ካብ 12 ህጻናት፡ ስድራ ቤቱ ዝተዓድዩ እዮም

ኣብ ሽወደን፡ ኣስታት 177 ሽሕ ህጻናት፡ ሓደ ካብ ወለዶም ብዕዳ ዝተታሕዘ ምኻኑ በዓል መዚ ክሮነፎግደን ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመተ፡ ብ 3% ዝውሕድ እካ እንተኾነ፡ ሓደ ካብ 12 ህጻናት ኣብ ዝተዓድየት ስድራቤት ዝዓቢ ምኻኑ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።   ይኹን እምበር፡ እቲ መጠን ብዝሒ ካብ ምምሕዳር ናብ ምምሕዳር ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ ሎማ ዝተባህለ ኣከባቢ፡ …

Read More »

ህጻናት ስደተኛታት፡ ንጉዳይ ጻዕቂ ሰብን ዝቕረበሎም ዓይነት መግብን ኣመልኪቶም ምስክርነቶም ሂቦም

    ጻዕቂ ሰብ፡ ሕማቕ ምግብን፡ ሕጽረት ጽሩይ ክዳውንትን ጸቕጥን ነቶም ብዘይ ስድራ ናብ ኣሜሪካ ኣትዮም ናብ ግዝያዊ መንበሪ ኣባይቲ ዝኣተዉ ህጻናት ብኸቢድ ጸልይዎም ከምዘሎ እቲ 17 ነጥብታት ሓዚሉ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ምስክርነት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።   እቶም ምስክርነቶም ዝሃቡ ህጻናት፡ ደቂ 9 ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድሚኦም ኮይኖም ካብ ጓቲማላ፡ ሆንድራስን ኤልሲልቫዶርን ዝመጹ እዮም። እዞም ህጻናት፡ …

Read More »

ፍልልይ ደሞዝ፡ ውሑድ ለውጢ ኣርእዩ

ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘሎ ናይ ደሞዝ ፍልልይ፡ ካብቲ ኣብ ዓመተ 2020 ዝነበረ መጠን፡ ብ 0.1% ብምጉዳሉ፡ ናብ 9.8% ከምዝወረደ ዓመታዊ ጸብጻብ ኮሌጅ መዲየሽን (Mediation Institute) ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ይኹን እምበር፡ መጠን ምንቁልቋል ፍልልይ ደሞዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ትሑት ምንባሩ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ። ዓምታዊ  መጠን ምጉዳል ፍልልይ ደሞዝ ክትግምቶ ዘይካኣል ኣብ ልዕሊ ምኳኑ፡ ዓመተ 2020 …

Read More »

ቁጽሪ ክፍሊት መንበሪ ገዛ ዝሓቱ ናእሽቱ መንእሰያት፡ ወሲኹ

ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ልዑል ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ናእሽቱ መንእሰያት ብፍላይ ከምዝተሃስዩ ጸብጻባት ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ናይዚ ጽልዋ ድማ፡ ኣብ ትካል ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን፡ ኣንጸባሪቑ ኣሎ ዝበለ እቲ ጸብጻብ፡ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 29 ዓመት ዘለዉ ክፍሊት መንበሪ ኣባይቲ ዝሓተቱ መንእሰያት፡ ቁጽሮም ክዓቢ ከምዝተራእየ ሓቢሩ። ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2020 ክሳብ ወርሒ …

Read More »

ህንዲ፡ መብጽዓታት ኒረንድራ ሞዲ፡ ቂሂሞም

ኒርንድራ ሞዲ፡ ናብ ፖለቲካዊ መድረኽ ህንዲ ብዙሕ መብጽዓታት ሒዙ እዩ ተቐልቂሉ። ብዙሕ ዕድል ስራሕ ክፈጥር፡ ብልጽግና ከምጽእን ዘየድሊ ምጒታት ኣብያተ ጽሕፈታት ከጒድልን ከም ዝኾነ ቃል ኣትዩ ምንባሩ ይዝከር። ኣብ 2014 ከምኡውን 2019 ክልተ ግዜ ዝተመርጸ፡ ሞዲ፡ ሕጂ ኣብ ሻብዓይ ዓመት ስልጣኑ ዝኣተዎ መብጽዓ ክፍጸምስ ይትረፍ ቊጠባ ህንዲ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ኣብ ቅልውላው ምህላዉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ንሱ ናብ ስልጣን እንክመጽእ፡ …

Read More »

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓድሽ ፋብሪካ መፍረ ክታበት ክተክል ወሲኑ

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓድሽ ፋብሪካ መፍረ ክታበት ኮቪድ ክተክል ምዃኑ ዳይሬክተር እቲ ውድብ፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ሓደ ካብቲ ብዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ተታሒዙ ዘሎ መደብ ምትካል ፋብሪካ፡ ኩባንያ ኣፊሪጀን ባዮሎጂክስ ኤንድ ቫክሲንስ (Afrigen Biologics &Vaccines)፡ ኮይኑ፡ ብከፊል ኣብ ምፍራይ ክታበት ዝነጥፍን ንኣፍራይ ክታበት ዝኾነ ባዮቫክ (Biovac) ደገፍ ዝህብን ክኸውን እዩ። እቲ ኣብ …

Read More »

ሰሙናዊ ጸብጻብ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ሽወደን ከምዝወሰኸ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ኣርቤስፎርሜድሊን ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብዝሒ ዝተመዝገቡ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት፡ 412,600 ምብጽሑን እዚ ድማ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሰራሒ ዓቕሚ፡ 8% ዝሽፍን ኮይኑ ካብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን ዝተመዝገበ 7.9% ዝዓበየ ከም ዝኾነ ተገሊጹ። ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ምውሳኽ ድማ፡ ክረምታዊ ዕረፍቲ ስለ ዝኾነ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com