Friday , May 17 2024

ኢመግረሽን

ድሕሪ ምውጻእ ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ዜጋታት ብሪጣንያ፡ መንበሪ ፍቓድ ክሓቱ ክጅምሩ እዮም

ሃገረ ብሪጣንያ፡ ካብ ዕለት 01 ለካቲት 2020 ጀሚራ፡ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ምውጻኣ፡ ወግዓዊ ከምዝገበረት ይዝከር። እቲ ናይ ምስግጋር እዋን ድማ ክሳብ 31 ታሕሳስ 2020 ዝጸንሕ እዩ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ እዋን፡ እቶም ኣብ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝነበሩ ዜጋታት ዓዲ እንግሊዝ፡ ከምቲ ቅድሚ ምውጻእ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ዝነበረ መሰል ከስተማቕሩ ምኳኖም ተሓቢሩ። ብመሰረት ስምምዕ ምውጻእ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ዜጋታት …

Read More »

ሓድሽ መልክዕ ዝሓዘ መንበሪ ፍቓድ ወረቐት (ካርድ) (uppe­hålls­till­stånds­kort) ተሰሪሑ

ኣብ ሽወደን ንኽነብሩ ዝተፈቕደሎም ሰባት፡  መንበሪ ፍቓድ ወረቐት ከምዝወሃቦም ይፍለጥ። ኣብ ቀጻሊ፡ መንበሪ ፍቓድ ወረቐት (ካርድ)፡ ኣብ ትወሃበሉ እዋን፡ ፍልይ ዝበለ ሓድሽ ካርድ ክኸውን እዩ። እዚ ብመምዘኒታት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝተሰርሐ ካርድ፡ ንኽትምየን፡ ኣጸጋሚ ከምዝኾነ እዩ ዝሕበር። ብተወሳኺ ድማ፡ ዜጋታት ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ሓደ ዓይነት መልክዕ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ወረቐት ንኽህልዎም ዝዓለመ እዩ። ቅድሚ 01 ታሕሳስ 2020 ዝወጸ (ዝተረከብካዮ) መንበሪ ፍቓድ …

Read More »

ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት፡ ኣብ ናእሽቱ መዓስከራት ክውዝዑ ከምዝግባእ፡ ቤት ምኽሪ ምክልኻል ገበናት ጸዊዑ

ኣብ ሽወደን ንሓተቲ ዑቕባ ተባሂሉ ዝተመደበ ናይ ሓባር መንበሪ ቦታታት፡ ዝፍጸሙ  ጎነጻዊ ባእስታትን ካብኡ ሓሊፉ ዓበይቲ ሁከትን ዕግርግርን፣ ቀንዲ ጠንቆም፡ ብሰንኪ ዘሎ ጽበት መንበርን ዝፈጥሮም ንኣሽቱ ግርጭታት ምዃኖም፣ ቤት ምኽሪ ምክልኻል ገበን ሽወደን ኣብ ዝዘርግሖ ሓድሽ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ናብ ፖሊስ ካብ ዝመጹ 600 ዝኣኽሉ ጎነጻዊ ገበናት፡ ቀንዲ መበገሲኦም፡ ኣብ ናይ ሓባር መንበሪኦም ዘጋጥሙ …

Read More »

ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ Sverige Nyheter på Tigrinja 28/10/2020

Read More »

ውህደት ብመንገዲ ሕርሻ

ካብ ሽወደን ወጻኢ ንዝመጹ ስደተኛታት፡ ምስ ሕብረተሰብ ሽወደን ንምምውህሃድ ንምኽኣል፡ ብሁስሆልኒንሱስኮፐት (Hushållningssällskapet) ዝምራሕ ብግሪን ኣረና (Green Arena) ዝፍለጥ ሓድሽ ፕሮጀክት ከምተበገሰ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብዚ ፕሮጀክት፡ ኣብ መላእ ሽወደን ዝርከባ 12 ናይ ሕርሻ ቦታታት ከምዝተመደባ፡ ንስደተኛታት ድማ ናይ 8 ሳምንታት ናይ ስራሕ ዕድላት ክኸፍት እዩ። እዚ ፕሮጀክት ብመሰረቱ፡ ነቶም ኣብ ደረጃ SFI ዘለዉ ሓደስቲ ወጻእተኛታት፡ ዕላማ ዝገበረ ኮይኑ፡ ቋንቋ ሽወደን …

Read More »

ቁጽሪ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሽወደን፡ ንፈለማ ግዜ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ዝወሓደ ኮይኑ

ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት፡ በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ ዝወሓደ ቁጽሪ ሓተቲ ዑቕባ ከመዝግብ ትጽቢት ይግበር። እዚ ቁጽሪ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፋ 20 ዓመታት እቲ ዝወሓደ ምዃኑን ወጻኢታት ኢሚግሬሽን ድማ ብኡ መንጽር ክጎድል ከምዝኽእል እቲ በዓል መዚ ሓቢሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣመሓላሊፉ። ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት፡ ቁጽሪ ሓተቲ ዑቕባ፡ ካብቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተገምገመ ቁጽሪ (13000) ብቑሩብ ብምዝያድ ክሳብ 13,500 …

Read More »

ሓንቲ ህጻን ናብ ስቴፋን ሎቪን፡ ኣብ ሽወደን ዓሰርተ ዓመት ተቐሚጠ ንኽሰጉኒ ይዳለዉ ኣለዉ ዝብል ደብዳቤ ጽሒፋ

ጓል 14 ዓመት ህጻን፡ ሄልያ፡ ኣብ ሽወደን ዓሰርተ ዓመታት ተቐሚጣ እኳ እንተኾነት፡ ስድራኣ ዘቕረብዎ ሕቶ ዑቕባ፡ ብኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ስለዝተነጽገ፡ ናብ መቦቆል ዓዶም፡ ኢራን፡ ክምለሱ ምዃኖም ዝሕብር ውሳነ ተዋሂብዎም ኣሎ። ሬድዮ ሽወደን ንስቅያት እዛ ዝበዝሐ ዕድሜኣ ኣብ ሽወደን ዝተቐመጠት ህጻን ኣመልኪቱ ሓደ ጻብጻብ ኣዳልዩ ኣሎ። ኣብ ሽወደን እየ ተማሂረን ዓብየን። ቋንቋ ፐርሺያ ኣይፈልጥን እየ፡ ኣብ ኢራን ክቕመጥ እኽእል እየ ዝብል …

Read More »

40% ካብቶም ሓደስቲ ናብ ሽወደን ዝመጹ መንእሰያት ናይ ድቃስን ኣትክሮን ጸገማት ኣለዎም

ኣስታት 40% ካብቶም ሓደስቲ ናብ ሽወደን ዝመጹ መንእሰያት፡ ብሕማቕ ተዘክሮታት፡ ዋሕዲ ድቃስን ናይ ኣትክሮ ጸገማትን ከምዝሳቐዩ፡ ኣብ ኮሌጅ ቀይሕ መስቀል ዝርከቡ ተመራመርቲ ዘካየድዎ ሓዲሽ መጽናዕቲ ሓቢሩ። ከምዚ ዓይነት ምልክታት ድማ፡ ድሕሪ ኣሰቃቒ (ኣሰምባዲ) ኩነት ዝፍጠር ዘይምርግጋእ (Posttraumatisk stressyndrom) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ ኣብቶም ካብ ኣፍጋኒስታትን ብዘይ ስድረኦም ዝመጹ መንእሰይት፡ ጎሊሑ ዝረአ እዩ ክብል እቲ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ከም ዝጠቐሰ፡ መርበብ ሓበሬታ ተተ …

Read More »

መሰረታውያን ደፋእቲ ሓይልታት (Evolutionary Forces)

ኣማኑኤል ሳህለ ኩሉ ፍጥረት፡ ዚረአ ይኹን ዘይረአ፡ ቀጻሊ ዚኽተሎ ሕግታትን ኣገባባትን ኣለዎ። ካብኡ ምልጋስ ጸገማት ስለ ዘኸትል ከኣ፡ እዚ ሕግታትዚ ከም ሓቂ ኪውሰድ ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዚ እቲ ተግባር ካብ ሕጊ ወጻኢ ዚኸይድ ዘሎ ይመስል። ተጋግዩ ክንብሎ ግን ኣይንኽእልን። ንዓና ብዘይርደኣና ተወሳኺ ሕግታት ኪምራሕ ይኽእል እዩ። ገለ ፍጻመታት ጸኒሑ ማለት ኣእምሮ ሰብ ምስ ማዕበለ ኪግለጽ ዘለዎ ሓቂ እዩ። ፊዚካውን ከሚካላውን …

Read More »

ዜና መጽሔት News Magazine 15 ጥቅምቲ 2020

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com