Friday , May 17 2024

ኢመግረሽን

ኣፍልጦ ቋንቋን ባህልን ሽወደን፡ ንዜግነት

ኣብ ሃገረ ሽወደን፡ ዜግነት ኣመልኪቱ ክወሃቦ ዝደሊ ሰብ፡ ኣፍልጦ ቋንቋን ባህሊ ሽወደንን ከም ቅድመ ኩነት ንምቅራብ ዝዓለመ፡ ንዝቀረበ ፖለቲካዊ እማመ፡ መጽናዕቲ ክካየደሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ መንግስቲ ቀሪቡ ከም ዘሎ ሚኒስተር ፍትሒ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ፡ በዚ ቅድመ ኩነት ክጽለው ዝኽእሉ ኣካላት፡ እቶም ኣብ ሽወደን ስሩዕን መደብኛን ናይ ሞያ ትምህርቲ ዘይከዱን ብዕድሚኦም ከኣ ኣብ ክሊ …

Read More »

ንውሱናት ኣብ ኖርወይ ዝቕመጡ ጉጅለታት ዝምልከት ቅጥዕታት ብዛዕባ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዝምልከት

ኣብ ኖርወይ ዝቕመጡ ውሱናት ጉጅለታት፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንኽረኽቡ ዘድልዮም ቅጥዒ፡ ኣብ ኖርወይ ሓሙሽተ ዓመታት ክቕመጡ ከምዝግባእ ስቶርቲንግ ብወግዒ ወሲኑ። እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ቅጥዒ ከማልኡ ዝግበኦም ጉጅለታት፡ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡ ብምኽንያት ዑቕባ፡ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦምብምኽንያት ብርቱዕ ሰብኣዊ ጉዳያት ኣብ ሃገር ክጸንሑ ዝተፈቕደሎምምስዞም ክልተ ጉጅለታት ናይ ስድራቤት ጉዳይ ኢሚግሬሽን ዘለዎም እዞም ዝተገብሩ ለውጢታት ካብ 1 ታሕሳስ 2020 ጀሚሮም ኣብ …

Read More »

ክፍሊ ኢመግረሽን 57 ኤርትራውያን ዝርከብዎም ፈቃድ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።

ክፍሊ ኢመግረሽ ንሽወደን ኣብዛ ዝሓለፈት ወርሒ ሕዳር ጥራይ ኣስታት 57 ኤርትራውያን ዝረከብዎም ን 525 ስደተኛታት ፈቃድ ከምዝሃበ ሓቢሩ። ገለ ካብዞም ፈቃድ ዝወሰዱ ዝበዝሑ 127 ሶርያውያን ክኾኑ ከለዉ፣ ዝተርፉ ድማ 41 ኣፍጋኒስታውያን፣52 ኢራናውያን፣39 ትሩካውያን ዝተረፉ ድማ 209 ሃይሮም ዘይተለለየ እዮም። ካብዚ ብምውሳኽ እዚ ክፍሊ ን ጉዳይ ኣብ ወርሒ ሕዳር  2179 ሶርያውያን ዝርከብዎም ን 7087 ሰባት ዜግነት ከምዝሃበን ገሊጹ። ገላ ካብዚኦም 794 …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 09 December 2020

Read More »

ዝበዝሑ ኣባላት ፓርላማ ዝኾኑ ሰልፍታት፡ ንእማመ መንግስቲ፡ ተቋዊሞም

እቲ ብመንግስቲ ዝቐረበ ብሕጊ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ (gymnasielagen) ዝፍለጥ ሓድሽ እማመ፡ ብዝበዝሑ ኣባላት ፓርላማ ዝኾኑ ሰልፍታት ተቛውሞ ከምዝረኸበ ተፈሊጡ። እዚ ማለት ድማ፡ መንግስቲ ንዘቕረቦ እማመ ክስሕብ ክግደድ ማለት እዩ። መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ንፓርላማ ክሰምዕ ይግባእ ክትብል ኣብ ዓቃባዊ ሰልፊ፡ ወሃቢት ቃል ጉዳይ ስደተኛታት ዝኾነት ማርያ ስቲንርጋርድ፡ ን SVT ሓቢራ። እዚ ኣብ 2018 ዝጸደቐ ሕጊ፡ ንብዙሓት ብዘይ መሰነይታ …

Read More »

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን፡ ነቲ ዝቐረበ ሓድሽ እማመ ሕጊ ነቒፍዎ

በዓል መዚ ኢሚሬሽን፡ ነቲ ዝቐርበ ሓድሽ እማመ ሕጊ ኢሚግሬሽን ከም ዝነቐፎ ተገሊጹ። ብሰንኪ ሕጽረት ምልከት ቋንቋ ሽወደንን ምፍላጥ ባህሊ ሕብረተሰብ ሽወደን፡ ሰብ ሞያ ዝኾኑ ክኢላታት ሰራሕተኛታት ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክስጎጉ ዝብል እማመ ድሕሪ ምቕራቡ ዝሰዓበ ነቐፌታ እዩ። ዳይረክተር ጀነራል፡ በዓል መዚ ኢሚግሬሽን፡ ሚካኤል ሬፕኒቪክ፡ ምስ ኤኮት ኣብ ዝካየዶ ቃለመሕትት፡ እዚ ቐሪቡ ዘሎ፡ ነዞም ሞያውያን ዝወሃብ ዝነበረ ግዝያዊ ነባርነት ተሪፉ ናብ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 30 November 2020

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 27 November 2020

Read More »

ዜና መጽሔት News Magazine 27 November 2020

Read More »

ኣብ ሓውሲ ከተማታት ዝርከቡ ሓደስቲ ስደተኛታት፡ ናብ ዕዳጋታት ሽቕለት ቀልጢፎም ይጽንበሩ

ካብ በዓልመዚ ስታቲስቲክስ ዝተረኽቡ ኣሃዛት ከም ዘመልክትዎ፡ ካብቶም ኣብ ዓመተ 2015 ናብ ሽወደን ዝኣተዉ ሰባት እቶም ዝበዝሑ ኣብ ሓውሲ ከተማታት ሸወደን፡ ስራሕ ከም ዝረኸቡ ኣመልኪቶም። ኣብ ሓውሲ ከተማታት ተባሂለን ዝምደባ ከባቢታት ሽወደን፡ ዝነብሩ ስደተኛታት፡ ዝያዳ ናይ ስራሕ ዕድል ምርካቦምን ብፍላይ ድማ ኣብ ከም በዓል ሆቴላትን ቤት ምግብታትን ዝኣመሰላ ጽላታት፡ ዝያዳ ስራሕ ምርካቦም ድማ ተገሊጹ። 42 ስደተኛታት፡ ተጠቀምቲ ናይዚ ዕድል ምዃኖምን፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com